Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ወንጌል ሉቃስ 5:7 - መፅሓፍ ቅዱስ

7 ነቶም ኣብታ ኻልአይቲ ጃልባ ዝነበሩ ብፆቶም፥ መፂኦም ክሕግዝዎም ፀውዕዎም። መፂኦም ድማ፥ ክልቲአን ጃልባታት፥ ንምጥላቕ ክሳዕ ዝቐርባ መልእወን።

Ver Capítulo Copiar




ወንጌል ሉቃስ 5:7
9 Referencias Cruzadas  

ኣድጊ ፀላኢኻ ኣብ ትሕቲ ፅዕነቱ ወዲቑ እንተ ረኸብካ፥ ምስ ዋናኡ ዄንካ ሓግዞ እምበር ረጊፅካዮ ኣይትሕለፍ።


ፈተውቲ ዘብዝሕ ሰብ ይጠፍእ፤ ግና ኻብ ሓው በሊፁ ዝቐርብ ፈታዊውን ኣሎ።


ነቶም ህዝቢ ኣፋንዮም ድማ፥ ምስኣቶም ብጃልባ ወሰድዎ፤ ካልኦት ጃልባታት ከዓ ምስኡ ነበራ።


ከምኡ ምስ ገበሩ ኸዓ፥ እቲ መርበቦም ክሳዕ ዝብተኽ፥ ብዙሓት ዓሳታት ሓዙ።


ስምኦን ጴጥሮስ ነዙይ ምስ ረአየ ኣብ ብርኪ ኢየሱስ ተደፊኡ “ኦ ጐይታ! ኣነ ሓጥእ ሰብ እየ እሞ፥ ካባይ ተፈለ” በሎ።


በርናባስ ካብኡ ወፂኡ፥ ንሳውል ክደልዮ ናብ ጠርሴስ ከደ።


ነፍሲ ወከፍ፥ ናይ ካልእ ፆር ይፁር፤ በዙይ ከዓ ሕጊ ክርስቶስ ክትፍፅሙ ኢኹም።


ንስኻውን ኣታ እሙን መሳርሕተይ፥ ክትድግፈን፥ እልምነካ ኣለኹ። ንሳተን ምስ ቀሌምንጦስን ምስቶም ስሞም ኣብ መፅሓፍ ህይወት ዝተፅሓፈ ኻልኦት መሳርሕተይን፥ ምሳይ ብኣገልግሎት ወንጌል ዝፀዓራ እየንሞ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos