5 ስምኦን ድማ “መምህር፥ ምሉእ ለይቲ ፅዒርና ዝሓዝናዮ የብልናን፤ ከም ቃልካ ግና፥ ነዝ መርበብ ኣውርዶ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ።
ክኸውን ከዓ እዩ፥ ኣስገርቲ ዓሳ ኣብኡ ክቖሙ፥ ካብ ዔይንጋዲ ኽሳዕ ዔይን ኤግላይም፥ መዘርግሒ መርበብ ክኸውን እዩ፤ ዓሳታት፥ ከምቲ ዓሳ ናይ ዓብዪ ባሕሪ፥ በብዓይነቶም የመና ብዙሓት ኣብኡ ኽህልዉ እዮም።
ድምፆም ዓው ኣቢሎምውን “ኦ ኢየሱስ፥ ኦ መምህር፥ ራህርሀልና!” በልዎ።
ሽዑ ናብኡ ቐሪቦም “መምህር፥ መምህር፥ ጠፋእና!” ኢሎም ኣንቅሕዎ፤ ንሱ ድማ ተሲኡ፥ ነቲ ንፋስን ነቲ ማዕበል ባሕርን ገሰፆምሞ ፀጥ በሉ፤ ህደኣትውን ኮነ።
ኢየሱስ ከዓ፥ “መን እዩ ዝነኽአኒ?” በለ። ኵሎም “ኣይፈለጥናን” ምስ በሉ፥ ጴጥሮስ ምስቶም ምስኡ ዝነበሩ ኾይኑ፥ “መምህር፥ እዞም ህዝቢ ናባኻ ይደፋፍኡን ይፀቓቐጡን ኣለዉ፤ ንስኻ ድማ ‘መን እዩ ዝነኽአኒ’ ትብል?” በሎ።
እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኻብኡ ኽፍለዩ እንተለዉ፥ ጴጥሮስ ንኢየሱስ “መምህር፥ ንኣና ኣብዙይ ምንባር ፅቡቕ እዩ። ሓደ ንኣኻ፥ ሓደ ንሙሴ፥ ሓደ ንኤልያስ፥ ሰለስተ ዳስ ንስራሕ” በሎ። ዝብሎውን ኣይፈልጥን ነበረ።
ዮሃንስ ከዓ “መምህር፥ ሓደ ሰብኣይ ብስምካ ኣጋንንቲ ኸውፅእ እንተሎ ርኢናዮስ፥ ምሳና ስለ ዘይተኸተለካ ኸልኪልናዮ” በሎ።
ንስኻትኩምውን፥ ኵሉ ዝኣዘዝኩኹም እንተ ፈፂምኩም፥ ኣዕርኽተይ ኢኹም።
እኖኡ ኸዓ ነቶም መሰለፍቲ “ኵሉ ንሱ ዝብለኩም ግበሩ” በለቶም።
ስምኦን ጴጥሮስ ድማ “ኣነስ ዓሳ ኸስግር ክኸይድ እየ” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ንሕናውን ምሳኻ ኽንኸይድ ኢና” በልዎ። ወፂኦም ድማ ናብ ጃልባ ኣተዉ፤ እንተ ኾነ በታ ለይቲ እቲኣ ሓደኳ ኣይሓዙን።