4 ትምህርቱ ምስ ወድአ ኸዓ ንስምኦን “ናብቲ ዓሚቝ ባሕሪ ቕርብ በል እሞ፥ ዓሳ ኽተስግሩ መርበብኩም ኣውርዱ” በሎ።
ግና ምእንቲ ኸይነዐንቅፎም፥ ናብ ባሕሪ ኼድካ መቝለብ ዓሳ ደርቢ፤ ነቲ ቕድም እትሕዞ ዓሳ ውሰድ፤ ኣፉ ምስ ከፈትካ ኣብኡ ሓደ ኣስታቴር ክትረክብ ኢኻ፤ ንእኡ ወሲድካ፥ ክንዳይን ክንዳኻን ሃቦም” በሎ።
ስምኦን ድማ “መምህር፥ ምሉእ ለይቲ ፅዒርና ዝሓዝናዮ የብልናን፤ ከም ቃልካ ግና፥ ነዝ መርበብ ኣውርዶ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ።
ንሱ ኸዓ “ነቲ መርበብ ናብ የማን ጃልባ ኣቢልኩም ደርቢይዎሞ፥ ክትረኽቡ ኢኹም” በሎም። ሽዑ ነቲ መርበቦም ደርበይዎ እሞ፥ ካብ ብዝሒ ዓሳ ዝተልዓለ ምስሓቡ ሰኣኑ።