3 ካብተን ጃልባታት ኣብ ሓዲአን፥ ኣብታ ናይ ስምኦን ጃልባ ደዪቡ፥ ካብ ምድሪ ቑሩብ ኣርሕቕ ከብላ ጠየቖ። ኣብታ ጃልባ ተቐሚጡ ድማ፥ ነቶም ህዝቢ ይምህሮም ነበረ።
ኢየሱስ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ እናተመላለሰ እንተሎ፥ ክልተ ኣሕዋት፥ ጴጥሮስ ዝተብሃለ ስምኦንን እንድርያስ ሓዉን፥ ኣስገርቲ ዓሳ ስለ ዝነበሩ መርበቦም ናብ ባሕሪ እንትድርብዩ ረአየ።
ንብዙሓት ኣሕውይዎም ነበረ እሞ፥ ኵሎም ሕማም ዘለዎም ምእንቲ ኽነኽእዎ ኽሳዕ ዝወድቁ ይደፋፍኡ ነበሩ።
ብምኽንያት ብዝሒ ህዝቢ፥ ሰብ ምእንቲ ኸይዳፍኦ ጃልባ ኣዳልዮም ከፅንሑሉ ንደቀ መዛሙርቱ ነገሮም።
ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ኸዓ፥ ክልተ ጃልባታት ደው ኢለን ረአየ፤ እቶም ኣስገርቲ ዓሳ ድማ፥ ካብኣተን ወሪዶም መርበቦም ይሓፅቡ ነበሩ።
ምድሪ ምስ ወግሐ ኸዓ፥ ኣንጊሁ ናብ ቤተ መቕደስ ተመሊሱ መፀ። ኵሉ ህዝቢ እውን ናብኡ ተኣከበ፤ ተቐሚጡ ድማ ይምህሮም ነበረ።