2 ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ኸዓ፥ ክልተ ጃልባታት ደው ኢለን ረአየ፤ እቶም ኣስገርቲ ዓሳ ድማ፥ ካብኣተን ወሪዶም መርበቦም ይሓፅቡ ነበሩ።
ኢየሱስ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ እናተመላለሰ እንተሎ፥ ክልተ ኣሕዋት፥ ጴጥሮስ ዝተብሃለ ስምኦንን እንድርያስ ሓዉን፥ ኣስገርቲ ዓሳ ስለ ዝነበሩ መርበቦም ናብ ባሕሪ እንትድርብዩ ረአየ።
ካብኡ ቑሩብ ሕልፍ ኢሉ፥ ካልኦት ክልተ ኣሕዋት፥ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ዮሃንስ ሓዉን፥ ምስ ዘብዴዎስ ኣቦኣቶም፥ ኣብ ጃልባ መርበቦም ከተዓራርዩ ሪኡ ፀውዖም።
ብጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኽሓልፍ እንተሎ፥ ስምኦንን ሓዉ እንድርያስን ኣስገርቲ ዓሳ ስለ ዝነበሩ፥ መርበቦም ናብ ባሕሪ ኸውርዱ እንተለዉ ረአየ።
ካብኡ ቑሩብ ሕልፍ ምስ በለ ድማ፥ ንያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ንሓዉ ዮሃንስን፥ ኣብ ጃልባኦም ኮይኖም መርበቦም ከተዓራርዩ እንተለዉ ረአዮም እሞ
ብዙሓት ህዝቢ፥ ቃል እግዚኣብሄር ክሰምዑ ናብኡ እናተዳፍኡዎ እንተለዉ፥ ኢየሱስ ኣብ ገምገም ባሕሪ ጌንሴሬጥ ደው ኢሉ ነበረ።
ካብተን ጃልባታት ኣብ ሓዲአን፥ ኣብታ ናይ ስምኦን ጃልባ ደዪቡ፥ ካብ ምድሪ ቑሩብ ኣርሕቕ ከብላ ጠየቖ። ኣብታ ጃልባ ተቐሚጡ ድማ፥ ነቶም ህዝቢ ይምህሮም ነበረ።
ካብቶም ዮሃንስ ዝበሎ ሰሚዖም ንኢየሱስ ዝተኸተልዎ ኽልተ፥ እቲ ሓደ እንድርያስ ሓው ስምኦን ጴጥሮስ ነበረ።