16 ንሱ ግና ናብ ፅምዊ ቦታ ኸይዱ ይፅሊ ነበረ።
ነቶም ህዝቢ ኣሰናቢቱ ኸዓ፥ ክፅሊ በይኑ ናብ እምባ ደየበ። ምድሪ ምስ መሰየ ድማ፥ በይኑ ኣብኡ ነበረ።
ምስ ኣሰናበቶም ካብኡ ሓሊፉ ኽፅሊ ናብ እምባ ደየበ።
ኵሉ እቲ ህዝቢ ምስ ተጠመቐ፥ ኢየሱስውን ተጠመቐ፤ ክፅሊ እንተሎ፥ ሰማይ ተኸፍተ።
ኢየሱስ በተን መዓልቲታት እቲኣተን ክፅሊ ናብ እምባ ደየበ፤ ምሉእ ለይቲ እውን ናብ እግዚኣብሄር ክፅሊ ሓደረ።
ድሕሪ እዝ ዘረባ እዙይ ብሻምናይ መዓልቲ ኣቢሉ፥ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ንያእቆብን ተማሊኡ፥ ክፅሊ ናብ እምባ ደየበ።
ክፅሊ እንተሎ ትርኢት ገፁ ተለወጠ፤ ክዳውንቱውን ዘንፀባርቕ ፃዕዳ ኾነ።
ኢየሱስ ድማ ብሓይሊ ሒዞም ከንግስዎ ይሓስቡ ኸም ዘለዉ ፈሊጡ፥ መሊሱ በይኑ ናብ እምባ ኣግለሰ።