11 ንሳቶም ከዓ ጃልባታቶም ናብ ምድሪ ኣውፂኦም፥ ንዅሉ ሓዲጎም ተኸተልዎ።
እቲ ነቦኡ ወይ ንኖኡ ኻባይ ኣብሊፁ ዝፈቱ ንኣይ ዝግባእ ኣይኮነን። ንወዱ ወይ ንጓሉ ኻባይ ኣብሊፁ ዝፈቱውን ንኣይ ዝግባእ ኣይኮነን።
ሽዑ ጴጥሮስ መሊሱ “እንሆ ንሕና ዅሉ ሓዲግና ተኸቲልናካ ኣለና፤ እንታይ ክንረክብ ኢና?” በሎ።
ኵሉ ስለ ስመይ ኢሉ ኣባይቲ፥ ኣሕዋት፥ ኣሓት፥ ኣቦ፥ እኖ፥ ሰበይቲ፥ ውሉድ፥ ገራሁ ዝሓደገ፥ ሚእቲ ዕፅፊ ኽረክብ እዩ፤ ናይ ዘለኣለም ህይወትውን ክወርስ እዩ።
ሽዑ ንሽዑ ድማ መርበቦም ሓዲጎም ተኸተልዎ።
ንሳቶም ከዓ ነታ ጃልባን ነቦኦምን ሓዲጎም፥ ሽዑ ንሽዑ ተኸተልዎ።
ኢየሱስ ከዓ ጠሚቱ ፈተዎ እሞ፥ “ሓንቲ ተሪፋትካ ኣላ፤ ኪድሞ፥ ኵሉ ዘለካ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ፤ ኣብ ሰማይውን ሃብቲ ኽትረክብ ኢኻ፤ መስቀልካ ኣልዒልካ ድማ ነዓ ተኸተለኒ” በሎ።
ተሲኡ ኸዓ ንዅሉ ሓዲጉ ተኸተሎ።