10 ከምኡውን እቶም ብፆት ስምኦን ዝነበሩ፥ ደቂ ዘብዴዎስ ያእቆብን ዮሃንስን ተገረሙ። ኢየሱስ ከዓ ንስምኦን “ኣይትፍራሕ፤ ካብ ሕዚ ንደሓር፥ ኣስጋሪ ሰብ ክትከውን ኢኻ” በሎ።
“ከምኡውን መንግስተ ሰማያት፥ ኣብ ባሕሪ ዝተዘርግሐት እሞ፥ ካብ ኵሉ ዓይነት ዓሳ ዝኣከበት መርበብ ትመስል።
ኢየሱስ ግና ሽዑ “ኣይዞኹም ኣይትፍርሑ ኣነ እየ” በሎም።
ድሕሪዙይ እኖ ደቂ ዘብዴዎስ ምስ ደቃ ናብኡ ቐሪባ እናሰገደት ሓደ ነገር ለመነቶ።
ኢየሱስ ከዓ “ንዑ ተኸተሉኒ፤ ኣነ ኸዓ ኣስገርቲ ሰብ ክገብረኩም እየ” በሎም።
ካብኡ ቑሩብ ሕልፍ ኢሉ፥ ካልኦት ክልተ ኣሕዋት፥ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ዮሃንስ ሓዉን፥ ምስ ዘብዴዎስ ኣቦኣቶም፥ ኣብ ጃልባ መርበቦም ከተዓራርዩ ሪኡ ፀውዖም።
ኢየሱስ ድማ “ኣስገርቲ ሰብ ክገብረኩምስ ንዑ ተኸተሉኒ!” በሎም።
ነቶም ኣብታ ኻልአይቲ ጃልባ ዝነበሩ ብፆቶም፥ መፂኦም ክሕግዝዎም ፀውዕዎም። መፂኦም ድማ፥ ክልቲአን ጃልባታት፥ ንምጥላቕ ክሳዕ ዝቐርባ መልእወን።
እዙይ ከዓ ንሱን ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩን፥ በቲ ኸስግሩ እንተለዉ ዝሓዝዎ ዓሳ ስለ ዝተገረሙ እዩ።
ንሳቶም ከዓ፥ እቲ ጴጥሮስ ኢሉ ዝሰመዮ ስምኦንን፥ እንድርያስ ሓዉን፥ ያእቆብን፥ ዮሃንስን፥ ፊልጶስን፥ በርተሎሜዎስን፥
ስምኦን ጴጥሮስን፥ ዲዲሞስ ዝብልዎ ቶማስን፥ ኣብ ገሊላ ኻብ እትርከብ ካብ ቃና ዝኾነ ናትናኤልን፥ ደቂ ዘብዴዎስን፥ ክልተ ኻልኦት ካብ ደቀ መዛሙርቱን፥ ሓቢሮም ነበሩ።
ንዅሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም፤ መንፈስ ቅዱስ ክዛረቡ ኸም ዝሃቦምውን፥ ብኻልእ ቋንቋታት ክዛረቡ ጀመሩ።
ብዛዕባ ቲቶ ዝጥይቕ እንተ ሃልዩ ኸዓ፥ ንሱ መሳርሕተይ፥ ምሳይ ሓቢሩውን፥ ንኣኻትኩም ዘገልግል እዩ። ብዛዕባ እቶም ኣሕዋትና፥ ዝጥይቕ እንተ ሃልዩ፥ ንሳቶም ንኽብሪ ክርስቶስ፥ ልኡኻት ኣብያተ ክርስቲያን እዮም።
ንሳቶም ከዓ፥ ካብቲ ፍቓዱ ኽገብሩ ኢሉ፥ ኣሲርዎም ዝነበረ መፈንጠር ዲያብሎስ ኣምሊጦም፥ ናብ ልቦም ክምለሱ እዮም።