Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ወንጌል ሉቃስ 5:1 - መፅሓፍ ቅዱስ

1 ብዙሓት ህዝቢ፥ ቃል እግዚኣብሄር ክሰምዑ ናብኡ እናተዳፍኡዎ እንተለዉ፥ ኢየሱስ ኣብ ገምገም ባሕሪ ጌንሴሬጥ ደው ኢሉ ነበረ።

Ver Capítulo Copiar




ወንጌል ሉቃስ 5:1
21 Referencias Cruzadas  

እቲ ወሰን ድማ ኻብ ሴፋማ ናብ ሪብላ፥ ንዓይን ብምብራቓ ይውረድ፤ እቲ ወሰን ከዓ ወሪዱ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ኽሳዕ ባሕሪ ኪኔሬት ይብፃሕ።


ካብ ዘመን መጥምቕ ዮሃንስ ክሳዕ ሎሚ፥ መንግስተ ሰማያት ትግፋዕ ኣላ፤ እቶም ዝገፍዑ ድማ፥ ይመናጠልዋ ኣለዉ።


ባሕሪ ተሳጊሮም ድማ፥ ናብ ምድሪ ጌንሴሬጥ በፅሑ።


ብምኽንያት ብዝሒ ህዝቢ፥ ሰብ ምእንቲ ኸይዳፍኦ ጃልባ ኣዳልዮም ከፅንሑሉ ንደቀ መዛሙርቱ ነገሮም።


ብድሕሪኡ ኢየሱስ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኾይኑ ኽምህሮም ጀመረ። ኣብ ባሕሪ ናብ ጃልባ ደዪቡ ኽሳዕ ዝቕመጥ፥ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ፤ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸዓ፥ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣብ ምድሪ ነበረ።


ኢየሱስ ድማ ምስኡ ኸደ፤ ብዙሕ ህዝቢ እውን ሰዓቦ፤ ኣብ ዙርያኡውን ይደፋፋእ ነበረ።


ነቲ ባሕሪ ምስ ተሳገሩ ናብ ምድሪ ጌንሴሬጥ መፂኦም ነታ ጃልባ ኣብ ወሰን ኣፀጊዖም ኣቖምዋ።


ኣእላፋት ህዝቢ፥ ንስንሳቶም ክሳዕ ዝፀቓቐጡ ናብኡ ምስ ተኣከቡ፥ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዙይ ክብሎም ጀመረ፦ “ካብ ማይ ብሒቝ ፈሪሳውያን፥ ንሱውን ካብ ግብዝና፥ ርእስኹም ሓልዉ።


ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ኸዓ፥ ክልተ ጃልባታት ደው ኢለን ረአየ፤ እቶም ኣስገርቲ ዓሳ ድማ፥ ካብኣተን ወሪዶም መርበቦም ይሓፅቡ ነበሩ።


ሓደ መዓልቲ ምስ ደቀ መዛሙርቱ፥ ናብ ጃልባ ኣትዩ “ንዑ ናብቲ ማዕዶ ባሕሪ ንሳገር” በሎምሞ ኸዱ።


ብጃልባ እናኸዱ እንተለዉ ኸዓ፥ ኢየሱስ ደቀሰ፤ ኣብቲ ባሕሪ ድማ፥ ንፋስ ኣውሎ ተልዓለ፤ ነታ ጃልባኦምውን ማይ መልኣ፤ ንሳቶም ድማ ተጨነቑ።


እቶም ኣጋንንቲ እውን፥ ካብቲ ሰብኣይ ወፂኦም፥ ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ፤ እተን ሓሰማታት ድማ በርጊገን በቲ ፀድፊ፥ ኣብቲ ባሕሪ ጠሊቐን ሞታ።


ኢየሱስ ከዓ፥ “መን እዩ ዝነኽአኒ?” በለ። ኵሎም “ኣይፈለጥናን” ምስ በሉ፥ ጴጥሮስ ምስቶም ምስኡ ዝነበሩ ኾይኑ፥ “መምህር፥ እዞም ህዝቢ ናባኻ ይደፋፍኡን ይፀቓቐጡን ኣለዉ፤ ንስኻ ድማ ‘መን እዩ ዝነኽአኒ’ ትብል?” በሎ።


ካብቶም ዮሃንስ ዝበሎ ሰሚዖም ንኢየሱስ ዝተኸተልዎ ኽልተ፥ እቲ ሓደ እንድርያስ ሓው ስምኦን ጴጥሮስ ነበረ።


ድሕሪዙይ ኢየሱስ ናብ ማዕዶ እታ ጥብርያዶስ እትብሃል ባሕሪ ገሊላ ኸደ።


ብምዕራብ ከዓ ምስ ጐልጐል ዮርዳኖስ፥ ካብ ኪኔሬት ክሳዕ ባሕሪ ጨው፥ ኣብ እግሪ ጎቦታት ፈስጋ ይበፅሕ ነበረ።


ነቶም ቃል እግዚኣብሄር ዝመሃሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም፤ ናይ ኣካይዳኦም ፍረ ኣስተውዒልኩም፥ ኣሰር እምነቶም ሰዓቡ።


ከምኡ ድማ ብወገን ምብራቕ ዘሎ ጐልጐል ክሳዕ ባሕሪ ገሊላ፥ ብወገን ምብራቕ ድማ ብመንገዲ ቤት ያሲሞት ክሳዕ ባሕሪ ጨው፥ ኻብ ባሕሪ ጨው ብደቡብ ድማ ኽሳዕ እግሪ ጎቦታት ፈስጋ ዝገዝእ ዝነበረ እዩ።


ኣብቲ ለሰ ድማ እቲ ተረፍ መንግስቲ ሴዎን፥ ንጉስ ሓሴቦን ዝኾነ፥ ቤትሃራምን ቤትኒምራን ሱኰትን ፃፎንን ነበረ። እቲ ወሰን ብወገን ምብራቕ ሩባ ዮርዳኖስ ኮይኑ ኽሳዕ ወሰን ባሕሪ ገሊላ ይበፅሕ ነበረ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos