6-7 ሽዑ ዲያብሎስ “እዝ ስልጣን እዙይን ክብርን፥ ንዝደለኹ ኽህቦ ንኣይ ስለ ዝተውሃበኒ፥ እንተ ሰጊድካለይ ንኣኻ ኽህበካ እየ፤ ኵሉ ድማ ናትካ ክኸውን እዩ” በሎ።
ዕቤት ሃብቱን ብዝሒ ደቁን፥ ንጉስ ብዅሉ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘዕበዮን ኣብ ልዕሊ ኣሕሉቕን ሓሻኽር ንጉስን ልዕል ከም ዘበሎ ነገሮም።
ንዅሉ ትዕቢት ክብሪ ዘበለ ኸሕስር፥ ንዅሎም ክቡራት ምድሪ ኸዋርድ ኢሉ ነዙይ ዝወሰነ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።
ስለዙይ ሲኦል ከብዳ ኣስፍሐት፤ ኣፋውን ብዘይ ልክዕ ከፈተት፤ እቶም ክቡራቶምን ዓበይቶምን ሃብታማቶምን ሕጉሳቶምን ናብኣ ኽወርዱ እዮም።
እዝ ዓለም እዙይ ዝፍረደሉ ጊዜ በፂሑ እዩ፤ ገዛኢ እዝ ዓለም እዙይውን፥ ናብ ወፃኢ ዝድርበየሉ ሕዚ እዩ።
ገዛኢ እዝ ዓለም እዙይ ይመፅእ ስለ ዘሎ፥ ደጊም ምሳኻትኩም ብዙሕ ኣይዛረብን እየ፤ ንሱ ኣባይ ሓንቲ ስልጣን የብሉን፤
ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኻትኩም ዲያብሎስ ኢኹም፤ ድልየት እቲ ኣቦኻትኩም ክትገብሩ ኢኹምውን እትደልዩ ዘለኹም፤ ንሱ ኻብ መጀመርታ ቐታሊ ነፍሲ እዩ፤ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዘየለ፥ ኣብ ሓቂ ኣይፀንዕን እዩ። ሓሳዊ፥ ኣቦ ሓሰትውን ስለ ዝኾነ፥ ሓሰት ክዛረብ እንተሎ ኻብ ባዕሉ እዩ ዝዛረብ።
ሰይጣን እኳ ንባዕሉ፥ ናይ ብርሃን መልኣኽ የምስል እዩ እሞ፥ እዙይ ኣየገርምን እዩ።
ብናይ ዓለም ክፉእ መንገዲውን ትነብሩ ነበርኩም፤ ነቲ ሕዚ፥ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ሰባት ዝመልኽ ርኹስ መንፈስ፥ ኣብ ኣየር ናይ ዘለዉ ሓለቓ መናፍስቲ ድማ፥ ትእዘዙ ነበርኩም።
“ኵሉ ሰብ ከም ሳዕሪ እዩ፤ ኵሉ ኽብሩውን ከም ዕምበባ በረኻ እዩ፤ እቲ ሳዕሪ ይነቅፅ፤ እቲ ዕምበባውን ይረግፍ፤
ንሕና ናይ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንና፥ ኵላ ዓለም ከዓ፥ ኣብ ትሕቲ እቲ ኽፉእ ከም ዘላ፥ ንፈልጥ ኢና።
እቲ ንዅላ ዓለም ዘስሓታ ዓብዪ ገበል፥ ተደርበየ፤ ንሱ እቲ ዲያብሎስ ወይ ሰይጣን ዝበሃል፥ ናይ ጥንቲ ተመን እዩ፤ ናብ ምድሪ ተደርበየ፤ መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ።
እቲ ዝረአኽዎ ኣራዊት ከዓ፥ ነብሪ ይመስል ነበረ። ኣእጋሩ ከም ኣእጋር ድቢ፥ ኣፉ ኸም ኣፍ ኣንበሳ ይመስል ነበረ። እቲ ገበል ድማ፥ ሓይሉን ዙፋኑን ዓብዪ ስልጣኑን ሃቦ።
ነቶም ቅዱሳን፥ ክዋግኦምን ክስዕሮምን ተውሃቦ። ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ነገዳትን፥ ህዝብን፥ ቋንቋታትን፥ ኣህዛብን ድማ፥ ስልጣን ተውሃቦ።