43 ንሱ ግና “ንኻልኦት ዓድታት ድማ፥ ብስራት መንግስቲ እግዚኣብሄር ክሰብከለን ኣለኒ፤ ምእንቲ እዙይ እየ ዝተልኣኽኩ እሞ” በሎም።
ናባይ ቅረቡ፤ እዙይ ስምዑ፤ ኣነ ካብ መጀመርታ ሒዘ፥ ብሕቡእ ኣይተዛረብኩን፤ ካብቲ ዝኾነሉ ዘመን ጀሚረ ኣብኡ ኣለኹ፤ ሕዚ እውን ጐይታ እግዚኣብሄርን መንፈሱን ለኣኸኒ።
ኢየሱስ ድማ ኣብ ኵላ ገሊላ፥ ኣብ ናይ ኣይሁድ ኣብያተ ፀሎት እናመሃረ፥ ብስራት መንግስቲ እግዚኣብሄር እናሰበኸ፥ ኣብ ህዝቢ ዘሎ ዅሉ ዓይነት ሕማም እናሕወየ ይዘዋወር ነበረ።
ኢየሱስ ጎሕ እንተይቀደደ ገና ፀልማት እንተሎ ተሲኡ ወፀ፤ ናብ ፅምዊ ቦታ ኸይዱ ድማ ኣብኡ ፀለየ።
ሽዑ ኢየሱስ መሊሱ “ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን፤ ከምቲ ኣብ፥ ንኣይ ዝለኣኸኒ ኣነውን ከምኡ እልእኸኩም ኣለኹ” በሎም።
ሓደኳ ኽሰርሐላ ዘይከኣሎ ለይቲ ትመፅእ ኣላ እሞ፥ መዓልቲ እንተላ፥ ግብሪ እቲ ዝለኣኸኒ ኽሰርሕ ይግብአኒ እዩ።
እግዚኣብሄር ከመይ ኢሉ፥ ንናይ ናዝሬት ኢየሱስ፥ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓይልን ከም ዝቐብኦ፥ ንሱ ኸዓ እግዚኣብሄር ምስኡ ስለ ዝነበረ፥ ኣብ ኵሉ ፅቡቕ ከም ዝገበረን፥ ንዅሎም ነቶም ንሰይጣን ዝተገዝኡ ኸም ዘሕወየውን፥ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።
ነቲ ቓል ስበኽ፤ ብምችዊ እዋንን ኣብ ዘይምችዊ እዋንን፥ ድልዊ ኹን፤ ኣረድእ፤ ምኸር፤ ገስፅ፤ ብዓብዪ ትዕግስቲ፥ ብምምሃር ትጋህ።