42 ምስ ወግሐ ኢየሱስ ካብኡ ወፂኡ፥ ናብ ፅምዊ ቦታ ኸደ፤ እቶም ህዝቢ ኸዓ ይደልይዎ ነበሩ፤ ናብኡ መፂኦምውን፥ ካብኣቶም ሓሊፉ ኸይኸዶም ሒዞም ኣቖምዎ።
ንሱ ግና ወፂኡ ብዙሕ ኽነግር ጀመረ፤ ስለዙይ ኢየሱስ ብገሃድ፥ ናብ ከተማ ምእታው ኣይከኣለን፤ ኣብ ፅምዊ ቦታ ደኣ ነበረ እምበር፤ እቶም ህዝቢ ድማ ኻብ ኵሉ ቦታ ናብኡ ይመፁ ነበሩ።
ንሳቶም ግና “መስዩ እዩ፤ ፀሓይውን ዓሪባ እያ እሞ፥ ምሳና ሕደር” ኢሎም ኣጥቢቖም ለመንዎ፤ ንሱ ኸዓ ምስኣቶም ክሓድር ኣተወ።
ኢየሱስ በተን መዓልቲታት እቲኣተን ክፅሊ ናብ እምባ ደየበ፤ ምሉእ ለይቲ እውን ናብ እግዚኣብሄር ክፅሊ ሓደረ።
ኢየሱስ ድማ “ምግበይስ፥ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ምግባርን፥ ስራሑ ምፍፃምን እዩ።
እቶም ሳምራውያን ከዓ፥ ናብኡ መፂኦም ምስኣቶም ክቕመጥ ለመንዎ፤ ኣብኡ ኸዓ ኽልተ መዓልቲ ፀንሐ።
ሽዑ እቶም ህዝቢ፥ ኢየሱስ ኮነ ወይ ደቀ መዛሙርቱ፥ ኣብኡ ኸም ዘየለዉ ምስ ረአዩ፥ ናብተን ጃልባታት ደዪቦም፥ ንኢየሱስ ክደልይዎ ናብ ቅፍርናሆም ከዱ።