Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ወንጌል ሉቃስ 4:41 - መፅሓፍ ቅዱስ

41 ብዙሓት ኣጋንንቲ እውን ዓው ኢሎም “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሄር ኢኻ” እናበሉ ኻብ ብዙሓት ሰባት ይወፁ ነበሩ። ንሱ ግና ገሰፆም፤ ክርስቶስ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡውን ክዛረቡ ኣይፈቐደሎምን።

Ver Capítulo Copiar




ወንጌል ሉቃስ 4:41
14 Referencias Cruzadas  

ኢየሱስ ግና ኣይመለሰሉን። እቲ ሊቀ ካህናት ከዓ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ዄንካስ፥ ክትነግረና በቲ ህያው እግዚኣብሄር ኣማሕፅነካ ኣለኹ!” በሎ።


እቲ ዝፍትኖ ድማ ቐሪቡ፥ “ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ዄንካስ፥ እዘን ኣእማን እዚኣተን እንጀራ ይኹና በል” በሎ።


ምስ መሰየ፥ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ብዙሓት ናብኡ ኣምፅኡ፤ እቲ ብነቢይ ኢሳይያስ፥ “ንሱ ድኻምና ወሰደ፥ ሕማምናውን ፆረ” ዝተብሃለ ምእንቲ ኽፍፀም፥ ብቓሉ መናፍስቲ ኣውፅአ፤ ንዅሎም ሕማም ዘለዎም ድማ ኣሕወዮም።


እንሆ ኸዓ “ኢየሱስ ወዲ እግዚኣብሄር! ንስኻ ምሳና እንታይ ኣለካ? ጊዜኡ እንተይበፅሐዶ ኽተሳቕየና ናብዙይ መፂእኻ?” እናበሉ ዓው ኢሎም ኣእወዩ።


ኢየሱስ ድማ “ንሓደ እኳ ኸይትነግር ተጠንቀቕ! ግና ኼድካ ርእስኻ ንካህን ኣርኢ፤ ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ክኾኖምውን ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ!” በሎ።


ኢየሱስ ድማ “ስቕ በል! ካብኡውን ውፃእ!” ኢሉ ገሰፆ።


ፀሓይ ዓሪቡ ምስ መሰየ፥ ንዅሎም ሕሙማትን ኣጋንንቲ ዝሓደርዎምን ናብኡ ኣምፅእዎም።


ንሱ ድማ ብዝተፈላለየ ሕማም ንዝሳቐዩ ብዙሓት ሰባት ኣሕወየ፤ ብዙሓት ኣጋንንቲ እውን ኣውፅአ፤ እቶም ኣጋንንቲ ኸዓ፥ ንሱ መን ምዃኑ ይፈልጥዎ ስለ ዝነበሩ፥ ክዛረቡ ኣይፈቐደሎምን።


እቶም ርኹሳት መናፍስቲ ምስ ረአይዎ “ንስኻ ወዲ እግዚኣብሄር ኢኻ” ኢሎም እናእወዩ ኣብ ቅድሚኡ ይወድቁ ነበሩ።


ኢየሱስ ከዓ ኣብ ጥቓኣ ደው ኢሉ፥ ነቲ ረስና ገሰፆ፤ እቲ ረስናውን ሓደጋ፤ ሽዑ ንሽዑ ተሲኣ ኸዓ ኣገልገለቶም።


ግና እዙይ ዝተፅሓፈ፥ ኢየሱስ ንሱ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽትኣምኑን፥ ኣሚንኩምውን ብስሙ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡን እዩ።


ንስኻስ ሓደ እግዚኣብሄር ከም ዘሎ ትኣምን ኢኻ፤ ፅቡቕ ገበርካ፤ ኣጋንንቲ እውን፥ ይኣምኑን ብፍርሒ ይንቅጥቀጡን እዮም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos