3 ዲያብሎስ ድማ “ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ዄንካስ፥ እስኪ እዝ እምኒ እዙይ፥ እንጀራ ክኸውን ኣዝዝ!” በሎ።
እቲ ዝፍትኖ ድማ ቐሪቡ፥ “ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ዄንካስ፥ እዘን ኣእማን እዚኣተን እንጀራ ይኹና በል” በሎ።
መንፈስ ቅዱስውን፥ ብኣምሳል ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ፤ “ብኣኻ ዝተሓጐስኩ፥ ዝፈትወካ ወደይ ንስኻ ኢኻ” ዝብል ድምፂ ድማ ካብ ሰማይ መፀ።
ኣብኡ ድማ ብዲያብሎስ፥ ነርብዓ መዓልቲ ተፈተነ። በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ፈፂሙ ኣይበልዐን፤ እተን መዓልቲታት እቲኣተን ምስ ተወደኣውን ጠመየ።
ኢየሱስ ከዓ “ ‘ሰብ፥ ካብ እግዚኣብሄር ብዝወፅእ ኵሉ ቓል ደኣ እምበር፥ ብእንጀራ ጥራሕ ኣይነብርን እዩ’ ዝብል ተፅሒፉ ኣሎ” ኢሉ መለሰሉ።