26 እንተ ኾነ ኤልያስ፥ ናብታ ኣብ ሰራጵታ ናይ ሲዶና እትርከብ ሓንቲ መበለት ደኣ እምበር፥ ካብኣተን ናብ ሓንቲ እኳ ኣይተልኣኸን።
እዙይውን ደቂ እስራኤል ምርኮ ጭፍራኦም፥ ኵሉ ስፍራ ከነዓን ክሳዕ ሰራጵታ ኽወርስ እዩ፤ ኣብ ስፋራድም ዝነበሩ ምሩኻት ኢየሩሳሌም፥ ንኸተማታት ደቡብ ክወርስወን እዮም።
“ወይለኺ ኮራዚን! ወይለኺ ቤተ ሳይዳ! እዝ ኣባኻትክን ዝተገብረ ተኣምራት፥ ኣብ ጢሮስን ኣብ ሲዶናን ተገይሩ እንተ ዝኸውንስ፥ ቀደም ወጮ ተኸዲነን ሓመዅሽቲ ነስኒሰን፥ ምተነስሃ ነይረን።