2 ኣብኡ ድማ ብዲያብሎስ፥ ነርብዓ መዓልቲ ተፈተነ። በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ፈፂሙ ኣይበልዐን፤ እተን መዓልቲታት እቲኣተን ምስ ተወደኣውን ጠመየ።
ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፥ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ፅልኢ እተክል ኣለኹ። ንሱ ርእስኻ ኽቕጥቅጥ እዩ፤ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ” በሎ።
ንሱ ድማ ተሲኡ በልዐን ሰተየን እሞ፥ ብሓይሊ እቲ ምግቢ ኽሳዕ እቲ ዝተቐደሰ እምባ እግዚኣብሄር ኮሬብ፥ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ከደ።
“ኪድ እሞ፥ ኣብ ሱሳ ንዘለዉ ዅሎም ኣይሁድ ኣኪብካ ኽሳዕ ሰለስተ መዓልቲ፥ ለይትን መዓልትን እንተይበላዕኹምን እንተይሰተኹምን ምእንታይ ፁሙ፤ ኣነውን ምስ ኣግራደይ ኮይነ ኽፀውም እየ። ሽዑ ሕጊ እኳ ዘይፈቐዶ እንተ ኾነ፥ ናብ ንጉስ ክኣቱ እየ፤ እንተ ሞትኩ እሙት” ኢላ ለኣኸትሉ።
ሙሴ ኸዓ ናብቲ እምባ ኽድይብ እንተሎ ናብ ማእኸል እቲ ደመና ኣተወ። ኣብቲ እምባውን ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ፀንሐ።
ሙሴ እንጀራ እንተይበልዐን ማይ እንተይሰተየን፥ ኣብኡ ምስ እግዚኣብሄር ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ገበረ። ነቲ ቓል ኪዳን፥ ዝኾነ ዓሰርተ ትእዛዛት፥ ኣብተን ፅላት ፀሓፎ።
ኣብ ህዝቢ ነነዌ ኸዓ፥ ብትእዛዝ ንጉስን መኳንንቱን፥ ከምዙይ ዝብል ኣዋጅ ኣወጀ፦ “ሰብ ወይ እንስሳ ሓደኳ ኣይጥዓም። መጓሰ ኸፍቲ ኾነ መጓሰ ኣባጊዕ ዝኾነ ኣይጥዓሙ፤ ኣይውፈሩ፤ ማይውን ኣይስተዩ።
ንግሆ ናብ ከተማ ኽምለስ እንተሎ ጠመየ፤
ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ፆመ፤ ድሕሪዙይውን ጠመየ።
ዲያብሎስ ድማ “ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ዄንካስ፥ እስኪ እዝ እምኒ እዙይ፥ እንጀራ ክኸውን ኣዝዝ!” በሎ።
ኣብኡ ኸዓ ዒላ ያእቆብ ነበረ፤ ኢየሱስ ድማ ብምኻድ መንገዲ ደኺሙ፥ ኣብ ጥቓ እቲ ዒላ ተቐመጠ፤ ሽዑ ሽዱሽተ ሰዓት ናይ ቀትሪ ኣቢሉ ነበረ።
“ከም ብሓድሽ ድማ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተደፋእኹ። በቲ ዅሉ ዝገበርኩምዎ ሓጢኣት፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ብምግባር ስለ ዘቘጣዕኹምዎ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን እንጀራ ኣይበላዕኹን፥ ማይውን ኣይሰተኹን።
“እግዚኣብሄርውን፥ ‘ከጥፍኦም እየ’ ኢሉ ስለ ዝነበረ፥ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተደፋእኹ።
እተን ናይ እምኒ ፅላታት፥ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ዝተመሓሓለለን ናይ ቃል ኪዳን ፅላታት ክቕበል ናብቲ እምባ ደየብኩ። ኣብኡ ብዘይ እንጀራን ማይን ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ተቐመጥኩ።
ንሱ ባዕሉ ኽፍተን እንተሎ ተሳቕዩ እዩ እሞ፥ ነቶም ዝፍተኑ ኽረድኦም ይከኣሎ እዩ።
ከምዝ ኸማና ብዅሉ ዝተፈተነ እዩ፤ ግና ሓጢኣት ኣይገበረን፤ ስለዙይ ብድኻምና ኽርህርሀልና ዘይኽእል ሊቀ ካህናት ኣይኮነን።
ጐልያድ ድማ ኣርብዓ መዓልቲ፥ ጊሓትን ምሸትን፥ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ቀሪቡ ይረአ ነበረ።