Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ወንጌል ሉቃስ 4:16 - መፅሓፍ ቅዱስ

16 ናብታ ዝዓበየላ ናብ ናዝሬት ድማ ኸደ፤ ብዕለት ሰንበት ከዓ፥ ከምቲ ልማዱ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣተወ፤ ከንብብውን ተስአ።

Ver Capítulo Copiar




ወንጌል ሉቃስ 4:16
14 Referencias Cruzadas  

እቲ ብነቢያት “ናዝራዊ ኽብሃል እዩ” ዝተብሃለ ምእንቲ ኽፍፀም፥ ናዝሬት ናብ እትብሃል ዓዲ መፂኡ ተቐመጠ።


ከምቲ ዅሉ ሕጊ እግዚኣብሄር ዝእዝዞ ምስ ፈፀሙ፥ ንገሊላ ናብ ናዝሬት ዓዶም ተመለሱ።


ኢየሱስ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ምስ ኮኖ፥ ከምቲ ልማዳቶም በዓል ከኽብሩ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ደየቡ።


ምስኣቶም ወሪዱ ናብ ናዝሬት ከደ፤ ይእዘዞምውን ነበረ፤ እኖኡ ድማ ነዝ ዅሉ ነገር፥ ኣብ ልባ ተዓቝሮ ነበረት።


ንሱ ኸዓ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣትዩ ይምህር ነበረ፤ ብትምህርቱ ድማ፥ ኵሎም ይድነቑን የመስግንዎን ነበሩ።


መፅሓፍ ነቢይ ኢሳይያስ ድማ ሃብዎ፤ ነቲ መፅሓፍ እንተ ቐልዖ ኸዓ፥ ከምዙይ ዝብል ዝተፅሓፎ ኽፍሊ ረኸበ፦


ሽዑ “ናይዚ መፅሓፍ እዙይ ቃል፥ ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ተፈፀመ” ክብሎም ጀመረ።


ኢየሱስ ድማ “ ‘ኣታ ሓኪም፥ ቅድም ንባዕልኻ ፈውስ’ ዝብል ምስላ ኸም እትምስሉለይ፥ ከምኡውን፥ ከምቲ ኣብ ቅፍርናሆም ጌርካዮ ተብሂሉ ዝሰማዕናዮ፥ ኣብ ዓድኻውን ግበር ክትብሉኒ ኢኹም” በሎም።


ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ኣነ ንዓለም ብገሃድ እየ ዝተዛረብኩ፤ ኵልሻዕውን ኣብቲ ኣይሁድ ዝእከቡሉ፥ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድን ቤተ መቕደስን፥ እምህር ነበርኩ፤ ብሕቡእ ዝተዛረብክዎ ሓደኳ የብለይን።


ጳውሎስ ከምቲ ልማዱ ናብኣቶም ኣትዩ፥ ሰለስተ ሰንበት ካብ ቅዱሳት መፃሕፍቲ እናጠቐሰ፥ ከረድኦም ቀነየ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos