12 ኢየሱስ ድማ “ ‘ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታተኖ’ ዝብል ድማ ኣሎ” ኢሉ መለሰሉ።
ኣብ ምድረ በዳ ብዙሕ ተመነዩ፤ ኣብ በረኻውን ንእግዚኣብሄር ተፈታተንዎ።
ዝተፈታተኑኒ ኣቦታትኩም፥ ፈተኑኒ፤ ስራሐይውን ረአዩ።
ሕዚ እውን ነቶም ትዕቢተኛታት፥ ቡሩኻት እዮም ንብሎም ኣለና፤ እቶም ገበርቲ ኽፉእ ፀኒዖም ኣለዉ፤ እቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈታተንዎ ኸዓ የምልጡ ኣለዉ” ትብሉ ኣለኹም።
ኢየሱስ ድማ “ ‘ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታተኖ’ ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ” በሎ።
ሽዑ ዲያብሎስ ፈተናኡ ዅሉ ምስ ወድአ፥ ንጊዜኡ ሓደጎ።
ከምቲ ገሊኣቶም ንጐይታ ዝተፈታተንዎ እሞ ብኣትማን ዝጠፍኡ፥ ንጐይታ ኣይንፈታተን።
ከምቲ ኣብ ማሳህ ዝተፈታተንኩምዎ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣይትፈታተንዎ።