11 እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍውን፥ በእዳዎም ክድግፉኻ እዮም’ ዝብል ተፅሒፉ ኣሎሞ” በሎ።
ኣብ እትኸዶ ዅሉ ኽሕልዉኻ፥ እግዚኣብሄር ንመላእኽቱ ምእንታኻ ኽእዝዞም እዩ እሞ።
ንሳቶም ከዓ እግርኻ ብእምኒ ኸይዕንቀፍ በእዳዎም ከልዕሉኻ እዮም።
“ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ዄንካስ፥ ‘እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ፥ በእዳዎም ክፆሩኻ፥ ንመላእኽቱ ምእንታኻ ይእዝዞም’ ዝብል ፅሑፍ ኣሎ እሞ፥ እስኪ ዘሊልካ ንታሕቲ ተወርወር” በሎ።