8 እምበኣርከስ ንንስሃ ዝበቅዕ ፍረ ኣፍርዩ እምበር፥ ብልብኹም ‘ኣብርሃም ኣቦ ኣለና’ ብምባል ኣይትዘሃሩ፤ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ካብዘን ኣእማን እዚኣተን፥ ውሉድ ከተስአሉ ኸም ዝኽእል እነግረኩም ኣለኹ።
ገራሁኦምን ኣታኽልቲ ወይኖምን ኣዋልዶምን ኣባይቶምን ምለሱሎም፤ ናይቲ እቲ ንስኻትኩም ካብኣቶም ብሃረፃ ዝወሰድኩምዎ ገንዘብን እኽልን ወይንን ዘይትን ከዓ፥ ካብ ሚእቲ ኢድ፥ ሓደ ኢድ በይዛኻትኩም ሎሚ ምለሱሎም” በልክዎም።
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እቶም ኣብተን ዑናታት እታ ምድሪ እስራኤል ዘለዉ፥ ኣብርሃም ንበይኑ ነበረ፤ ነዛ ምድሪ እዚኣውን ወረሳ። ንሕና ግና ብዙሓት ኢና፤ እታ ምድሪ ድማ ርስቲ ኽትከውን፥ ንኣና ተውሂባ እያ፥ ይብሉ ኣለዉ።
“ስለዙይ ድማ እታ መንግስቲ እግዚኣብሄር ካባኻትኩም ከም እትውሰድ፥ ፍረኣ ንዘፍሪ ህዝቢ እውን ከም እትወሃብ እብለኩም ኣለኹ፤
እምበኣርከስ ንንስሃ ዘብቅዕ ፍረ ኣፍርዩ።
ብልብኹም ‘ኣብርሃም ኣቦ ኣለና’ ብምባል እተምልጡ ኣይምሰልኩም። ንኣብርሃም ካብዘን ኣእማን እዚኣተን፥ ውሉድ ከተስአሉ ንእግዚኣብሄር ከም ዝከኣሎ እብለኩም ኣለኹ።
በዓል ገዛ ተሲኡ ማዕፆኡ ምስ ሸጐረ፥ ሽዑ ኣብ ወፃኢ ደው ምባል ክትጅምሩ፥ ‘ጐይታ፥ ጐይታ፥ ክፈተልና’ እናበልኩምውን ማዕፆ ኽትኵሕዅሑ ኢኹም። ንሱ ኸዓ ‘ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ’ ኢሉ ኽምልሰልኩም እዩ።
ሽዑ ‘ምሳኻ በሊዕናን ሰቲናን፤ ንስኻውን ኣብ ኣደባባያትና ምሂርካ’ ምባል ክትጅምሩ ኢኹም።
እቲ ንእኡን ንኣኻን ዝዓደመ መፂኡ፥ ‘እዛ ስፍራ እዚኣ ነዙይ ሕደገሉ’ ኸይብለካ፤ ሽዑ እናሓፈርካ ናብ ታሕተዋይ መቐመጢ ኸይትወርድ።
ንሱ ድማ “እዚኣቶም ስቕ እንተ በሉ እኳ፥ እዞም ኣእማን ዓው ኢሎም ድምፂ ኸስምዑ እዮም፥ እብለኩም ኣለኹ” ኢሉ መለሰሎም።
ኢየሱስ ድማ “ሎሚ ነዝ ገዛ እዙይ፥ ድሕነት ኮነሉ፤ ንሱውን ወዲ ኣብርሃም እዩሞ።
መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ግና “እዝ ንእግዚኣብሄር ዝፀርፍ ዘሎ መን እዩ? ብዘይ ሓደ እግዚኣብሄርከ፥ ሓጢኣት ክሓድግ ዝኽእል መን እዩ?” እናበሉ ኽሓስቡ ጀመሩ።
ንሳቶም ከዓ “ንሕና ዘርኢ ኣብርሃም ኢና፤ ንዝኾነ ባሮት ኴንና ኣይንፈልጥን። ከመይ ኢልካ ደኣ፥ ሓራ ኽትወፁ ኢኹም ትብለና ዘለኻ?” ኢሎም መለሱሉ።
ንሳቶም ድማ “ንኣናስ ኣቦና ኣብርሃም እዩ” ኢሎም መለሱሉ። ኢየሱስ ከዓ “ውሉድ ኣብርሃም እንተ እትኾኑስ፥ ግብሪ ኣብርሃም ምገበርኩም ኔርኩም።
እኳ ደኣ፥ ክንስሁን ናብ እግዚኣብሄር ክምለሱን፥ ከም ዝተነስሁ ዘርኢ ግብሪ ኽገብሩን፥ ቅድም ኣብ ደማስቆ፥ ደሓር ኣብ ኢየሩሳሌምን፥ ኣብ ኵላ ሃገር ይሁዳን፥ ከምኡ ኸዓ ንኣህዛብ ወንጌል ሰበኽኩ።
እታ ተስፋ ኻብ እምነት እያ፤ ስለዙይ ኵሎም ዘርኢ ኣብርሃም፥ ነዛ ተስፋ እዚኣ፥ ብፀጋ ኽወርሱዋ እዮም። እዙይ ከዓ፥ ፈፀምቲ ሕጊ ጥራሕ ዘይኮኑስ፥ እቶም ከም ኣብርሃም ብእምነት ዝፀድቁውን እዮም፤ ኣብርሃም ብእምነት ኣቦ ዅልና እዩ እሞ።
ከምኡውን ኵላቶም እቶም ካብ ኣብርሃም ዝተወለዱ፥ ደቂ ኣብርሃም እዮም ማለት ኣይኮነን። እንተ ኾነ “ካብ ይስሓቅ ዘርኢ ኽስመየልካ እዩ” ኢልዎ ነበረ።
ንኽብሪ እግዚኣብሄርን ንውዳሴኡን ከዓ፥ በቲ ኻብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ፥ ፍረ ፅድቂ ምእንቲ ኽትምልኡ፥ እፅሊ ኣለኹ።