4 እዙይ ከዓ ኸምቲ ኣብ መፅሓፍ ነቢይ ኢሳይያስ፦ “ናይ ሓደ ኣብ ምድረ በዳ ዝእውጅ ድምፂ፥ ጐደና እግዚኣብሄር ኣመዓራርዩ፤ መንገድታቱውን ኣቕንዑ፤
“ንሱውን፦ ፅረጉ፤ ፅረጉ፤ መንገዲ ኣዐርዩ፤ ካብ መንገዲ ህዝበይ መዐንቀፊ ኣርሕቑ ይብል።
ሕለፉ፤ ብደገታት ሕለፉ፤ ንህዝቢ መንገዲ ኣዳልዉ፤ ኣመዓራርዩ፤ መንገዲ ፅርጊያ ኣመዓራርዩሉ፤ ኣእማን ፅረጉ፤ ንኣህዛብውን ሰንደቕ ዕላማ ኣልዕሉሎም።
ኣነ መፂአ ንምድሪ ብመርገም ከየጥፍኣስ፥ ንሱ ንልቢ ኣቦታት ናብ ደቆም፥ ንልቢ ደቂ ኸዓ ናብ ኣቦታቶም ክምልስ እዩ።”
እቲ ብነቢይ ኢሳይያስ፥ “ ‘ጐደና እግዚኣብሄር ፅረጉ፤ መንገዱውን ኣቕንዑ’ ኢሉ፥ ኣብ በረኻ ዝእውጅ ድምፂ ኣዋጅ ነጋሪ” ተብሂሉ ዝተነግረሉ ንሱ ዮሃንስ እዩ እሞ።
ዮሃንስ ከዓ “ኣነስ ከምቲ ነቢይ ኢሳይያስ፦ ‘መንገዲ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ’ እናበለ፥ ኣብ ምድረ በዳ ዝእውጅ ድምፂ እየ” በሎም።
ንሱ ምስክር ኮይኑ፥ ኵሎም ብብርሃን ምእንቲ ኽኣምኑ፥ ብዛዕባ ብርሃን ክምስክር መፀ።