3 ንሱ ድማ ንሕድገት ሓጢኣት ዝኸውን፥ ናይ ንስሃ ጥምቀት እናሰበኸ፥ ኣብ ኵሉ ኸባቢ ዮርዳኖስ ዞረ።
ኣነ ንንስሃ ብማይ ኣጥምቐኩም ኣለኹ፤ እቲ ብድሕረይ ዝመፅእ ግና፥ ካባይ ይሕይል እዩ፤ ኣነ ኣሳእኑ ኽፀውር እኳ ኣይበቅዕን እየ፤ ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓዊን ከጥምቐኩም እዩ።
ካብ ህዝቢ እስራኤል ንብዙሓት፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ክመልሶም እዩ።
ናይ ሓጢኣቶም ሕድገት ዝረኽቡሉ፥ ናይ ድሕነት ፍልጠት፥ ንህዝቡ ኽትህብ ኢኻ።
ኢየሱስ ብምልኣት መንፈስ፥ ቅዱስ ካብ ዮርዳኖስ ተመለሰ፤ ብመንፈስ ተመሪሑ ድማ፥ ናብ በረኻ ኸደ።
እዙይ ኣብቲ ዮሃንስ ዘጥምቐሉ ዝነበረ፥ ኣብ ቢታንያ ኣብ ቤተ ራባ፥ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኮነ።
ናብ ዮሃንስ መፂኦም ከዓ “መምህር፥ እቲ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ምሳኻ ዝነበረ፥ ንስኻውን ዝመስከርካሉ፥ እንሆ ንሱ የጥምቕ ኣሎ፤ ኵሎም ከዓ ናብኡ ይኸዱ ኣለዉ” በልዎ።
ቅድሚ ምምፃኡውን፥ ዮሃንስ ንዅሉ ህዝቢ እስራኤል፥ ንንስሃ ዝኸውን ጥምቀት ሰበኸ።
ሽዑ ጳውሎስ “ዮሃንስ በቲ ድሕሪኡ ዝመፅእ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ክኣምኑ፥ ነቶም ህዝቢ እናነገረ፥ ጥምቀት ንስሃ እዩ ዘጥመቐ” በሎም።
ሕዝኸ እንታይ ትፅበ ኣለኻ? ተስእሞ፥ ስም ጐይታ እናፀዋዕኻ ተጠመቕ፤ ካብ ሓጢኣትካውን ተሓፀብ” በለኒ።