2 ሃናን ቀያፋን ከዓ ሊቃነ ካህናት ኣብ ዝነበሩሉ፥ ቃል እግዚኣብሄር፥ ናብ ዮሃንስ ወዲ ዘካርያስ ኣብ ምድረ በዳ መፀ።
ድምፂ ኣዋጅ ነጋሪ፥ ከምዙይ ይብል፦ “መንገዲ እግዚኣብሄር ኣብ ምድረ በዳ ፅረጉ፤ ኣብ ምድሪ ኣፃምእ ኸዓ፥ ንኣምላኽና ፅርጊያ ፅረጉ።
ኢዮስያስ ወዲ ኣሞፅ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ ዓመቱ ቓል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ።
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፤
ቃል እግዚኣብሄር ናብቲ ኻህን ሕዝቅኤል ወዲ ቡዝ፥ ኣብ ሃገር ከለዳውያን፥ ኣብ ሩባ ኮቦር መፀ፤ ኣብኡ ኸዓ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ ነበረት።
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ዮናስ ወዲ ኣማቴ መፀ፦ “ተስእ፤ ናብታ ዓባይ ከተማ ናብ ነነዌ ኺድ፤ ክፍኣታ ኣብ ቅድመይ በፂሑ እዩ እሞ፥ ኣብ ልዕሊኣ ስበኽ።”
ብዘመን ኢዮኣታምን ኣካዝን ሕዝቅያስን ነገስታት ይሁዳ፥ ብዛዕባ ሰማርያን ኢየሩሳሌምን ሞሬታዊ ሚክያስ ዝረኣዮ ናብኡ ኸዓ ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ።
እቲ ብዘመን ኢዮስያስ ወዲ ኣሞፅ ንጉስ ይሁዳ፥ ናብ ሶፎንያስ ወዲ ኩሺ፥ ወዲ ጎዶልያስ፥ ወዲ ኣማርያ፥ ወዲ ንጉስ ሕዝቅያስ፥ ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦
ልኡኻት ዮሃንስ ምስ ከዱ፥ ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ፥ ብዛዕባ መጥምቕ ዮሃንስ፥ ከምዙይ ክብሎም ጀመረ፦ “እንታይ ክትሪኡ ናብ በረኻ ወፃእኹም? ብንፋስ ነነው ዝብል ሻምበቆ?
ሽዑ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ዓበይቲ ህዝብን፥ ኣብ ኣዳራሽ ቀያፋ ዝበሃል ሊቀ ካህናት ተኣከቡ።
ከምቲ ኣብ መፃሕፍቲ ነቢያት፦ “እንሆ ‘ጐደና እግዚኣብሄር ፅረጉ፤ መንገድታቱውን ኣቕንዑ’ እናበለ ናይ ሓደ ኣብ ምድረ በዳ ዝእውጅ ድምፂ፥ ቀቅድሜኻ መንገድኻ ዝፀርግ ልኡኸይ እሰደልካ ኣለኹ” ዝብል ከም ዝተፅሓፈ፥
እቲ ህፃን ዓበየ፤ ብመንፈስውን ጠንከረ፤ ክሳዕ እታ ንእስራኤል ዝተገለፀላ መዓልቲ እውን፥ ኣብ በረኻ ይነብር ነበረ።
ዮሃንስ ከዓ “ኣነስ ከምቲ ነቢይ ኢሳይያስ፦ ‘መንገዲ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ’ እናበለ፥ ኣብ ምድረ በዳ ዝእውጅ ድምፂ እየ” በሎም።
ሃና ኸዓ ናብ ሊቀ ካህናት ቀያፋ፥ ብእሱሩ ሰደዶ።