Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ወንጌል ሉቃስ 3:16 - መፅሓፍ ቅዱስ

16 ዮሃንስ ከዓ “ኣነ ብማይ እየ ዘጥምቐኩም ዘለኹ፤ እቲ ኻባይ ዝብርትዕን፥ ኣነ መእሰሪ ኣሳእኑ ንምፍታሕ ዘይበቅዕን ግና፥ ይመፅእ ኣሎ፤ ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓዊን፥ ከጥምቐኩም እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ወንጌል ሉቃስ 3:16
24 Referencias Cruzadas  

ናብ ተግሳፀይ ተመለሱ፤ እንሆ መንፈሰይ ከፍስሰልኩም፥ ቃላተይ ከፍልጠኩም እየ።


እዙይ ዝኸውን መንፈሱ ኻብ ላዕሊ ኽሳዕ ዘፍስሰልና፥ እቲ ምድረ በዳ ኸም ፈራዪ መሬት፥ እቲ ልሙዕ መሬት ድማ ኸም ዱር ክሳዕ ዝቝፀር እዩ።


ፅሩይ ማይ ክነፅገልኩም እየ እሞ፥ ክትፀርዩ ኢኹም። ካብ ኵሉ ርኽሰትኩምን፥ ካብ ኵሎም ጣዖታትኩምን ከፅርየኩም እየ።


ኣነ ኸዓ ነቶም ዝተረፉ ሳልሳይ ኣፍ፥ ናብ ሓዊ ኸእትዎም እየ፤ ብሩር ብሓዊ ኸም ዝዅላዕ ክዅልዖም፥ ወርቂ ብሓዊ ኸም ዝፍተን ከዓ ኽፍትኖም እየ። ንሳቶም ስመይ ክፅውዑ እዮም፤ ኣነውን ክሰምዖም እየ። ኣነ እዙይ ህዝበይ እዩ፤ ንሳቶም ከዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ኽብሉ እዮም።”


ኣነ ንንስሃ ብማይ ኣጥምቐኩም ኣለኹ፤ እቲ ብድሕረይ ዝመፅእ ግና፥ ካባይ ይሕይል እዩ፤ ኣነ ኣሳእኑ ኽፀውር እኳ ኣይበቅዕን እየ፤ ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓዊን ከጥምቐኩም እዩ።


ዓውዱ ዘፅርየሉ መስአ ኣብ ኢዱ ዘለዎ እዩ፤ ስርናዩ ኣብ ቆፎኡ ኽእክብ፥ ነቲ ሓሰር ግና፥ ብዘይጠፍእ ሓዊ ኸቃፅሎ እዩ።”


ዮሃንስ ድማ “ኣነ ብማይ ኣጥምቕ ኣለኹ፤ ግና ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ኣብ ማእኸልኩም ደው ኢሉ ኣሎ።


እቲ ቕድመይ ዝነበረ ብድሕረይ ዝመፅእ፥ ኣነ መእሰሪ ኣሳእኑ ንምፍታሕ እኳ ዘይበቅዕ፥ ንሱ እዩ” ኢሉ መለሰሎም።


እቲ ብማይ ከጥምቕ ዝለኣኸኒ፥ ‘መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ኣብ ልዕሊኡ ኽቕመጥ እንተሎ እትሪኦ፥ ንሱ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ዘጥምቕ’ ኢሉኒ ደኣ እምበር፥ ኣነስ ኣይፈልጦን ነይረ።


እቲ ብኣይ ዝኣምን፥ ከምቲ መፅሓፍ ዝበሎ፥ ‘ካብ ውሽጡ ማይ ህይወት ክፍልፍል እዩ’ ” እናበለ ተዛረበ።


ዮሃንስ ብማይ እዩ ዘጥመቐ፤ ንስኻትኩም ግና፥ ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲታት፥ ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም” ኢሉ ኣዘዞም።


ጴጥሮስ ገና ነዝ ነገር እዙይ እናነገሮም እንተሎ፥ ኣብቶም ነዝ ቓል እዙይ ዝሰምዑ ዅላቶም፥ መንፈስ ቅዱስ ወረደ።


ሕዚ ድማ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ብኽብሪ ምስ ተቐመጠ፥ ተስፋ መንፈስ ቅዱስውን፥ ካብ ኣብ ምስ ተቐበለ፥ ነዝ ንስኻትኩም እትሪእዎን እትሰምዕዎን ዘለኹም፥ ንሱ ኣፍሰሶ።


ንሕና ኣይሁድ ኮንና ግሪካውያን፥ ባሮት ኮንና ነፃ ሰባት ኵልና፥ ሓደ ሰብነት ምእንቲ ኽንከውን፥ ብሓደ መንፈስ ተጠመቕና፤ ሓደ መንፈስውን ሰተና።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos