13 ንሱ ድማ “ካብቲ ዝተኣዘዘልኩም ሕልፊ ኣይትውሰዱ” በሎም።
ኣብ ቅድሚኡ ቅኑዕ ነበርኩ፤ ካብ ሓጢኣተይውን ተዓቀብኩ።
ሓጢኣቱ ዝሓብእ ሰብ ኣይቃነዐሉን፤ እቲ ዝናሳሕ እሞ ዝሓድጎ ግና ምሕረት ይረክብ።
ኣታ ሰብ፥ ንሱ ዅሉ ሰናይ ነጊሩካ እዩ፤ እግዚኣብሄር ካባኻ ዝደልዮ እንታይ እዩ? ቕንዕና ኽትገብር፥ ምሕረት ከዓ ኽትፈቱ፥ ኣብ ቅድሚኡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽካውን፥ ብትሕትና ኽትነብርዶ ኣይኮነን?
እምበኣር ሕግን ነቢያትን እዙይ እዩሞ፥ ከምቲ ዅሉ ሰባት ክገብሩልኩም እትደልይዎ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።”
ዘኬዎስ ከዓ ተሲኡ ንጐይታ “ኦ ጐይታ! እንሆ ፍርቂ ጥሪተይ፥ ንድኻታት እህብ፤ ዝዓመፅክዎ እንተ ሃልዩውን ኣርባዕተ ዕፅፊ እፈድዮ” በሎ።
ተቐበልቲ ቐረፅ ድማ ኽጥመቑ መፂኦም “ኦ መምህር፥ ንሕናኸ እንታይ ንግበር?” ኢሎም ጠየቕዎ።
ወታደራት ድማ “ንሕናኸ እንታይ ንግበር?” ኢሎም ጠየቕዎ። ንሱ ኸዓ “ንሓደኳ ኣይትግፍዑ፤ ብሓሰትውን ኣይትኽሰሱ፤ ደመወዝኩም ይእኸልኩም” በሎም።
ሰረቕቲ፥ ወይ ስሱዓት፥ ወይ ሰካራማት፥ ወይ ተፃረፍቲ፥ ወይ ከተርቲ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ኣይወርስዋን እዮም።
እቲ ሰራቒ ዝነበረ፥ ደጊም ኣይስረቕ፤ እኳ ደኣ፥ ነቲ ዝፀገሞ ዘማቕሎ ምእንቲ ኽህልዎስ፥ ፅቡቕ ስራሕ እናሰርሐ ደኣ፥ በእዳዉ ይፅዓር እምበር።
ምእንቲ እዙይ ንሕናውን ክንድዙይ ዝኣኽሉ መሰኻኽር፥ ከም ደመና ኸቢቦምና ስለ ዘለዉ፥ ንዅሉ እቲ ዝኸብደናን ዝጠብቀናን ሓጢኣት ኣርሒቕና፥ በቲ ኣብ ቅድሜና ተዳልዩልና ዘሎ መቀዳደሚ፥ ብትዕግስቲ ፀኒዕና ንጕየ።