12 ተቐበልቲ ቐረፅ ድማ ኽጥመቑ መፂኦም “ኦ መምህር፥ ንሕናኸ እንታይ ንግበር?” ኢሎም ጠየቕዎ።
ነቶም ዝፈትውኹም እንተ ፈተኹም፥ እንታይ ዓስቢ ኣለኩም? ተቐበልቲ ቐረፅስ ከምኡዶ ይገብሩ ኣይኮኑን?
እቲ ተቐባሊ ቀረፅ ግና፥ ኣብ ርሑቕ ደው ኢሉ፥ ዓይኑ ናብ ሰማይ ቈላሕ ከብል እኳ እንተይደፈረ፥ ‘ኦ ኣምላኽ፥ ንኣይ ንሓጢኣተኛ መሓረኒ’ እናበለ፥ ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ።
እቶም ህዝቢ ድማ “እንታይ ደኣ ንግበር?” ኢሎም ጠየቕዎ።
ንሱ ድማ “ካብቲ ዝተኣዘዘልኩም ሕልፊ ኣይትውሰዱ” በሎም።
ኵሎም ህዝብን ተቐበልቲ ቐረፅን ከዓ እዙይ ሰሚዖም፥ ብጥምቀት ዮሃንስ ተጠሚቖም ስለ ዝነበሩ “መንገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ” በሉ።
ሽዑ እዙይ ምስ ሰምዑ ልቦም ተነኽአ እሞ፥ ንጴጥሮስን ነቶም ካልኦት ሃዋርያትን “ኣቱም ኣሕዋትና፥ እንታይ ደኣ ንግበር?” በልዎም።