11 ንሱ ኸዓ “ክልተ ኽዳን ዘለዎ ነቲ ዘይብሉ ይሃቦ፤ ምግቢ ዘለዎውን ከምኡ ይግበር” ኢሉ መለሰሎም።
ንሓደ እኳ እንተ ዘይገፍዐን፥ ንበዓል ዕዳ ትሕጃ እንተ መለሰሉ፥ ንሓደ እኳ እንተ ዘይዓመፀ፥ እንጀራኡ ንጥሙይ እንተ ሃበ፥ ንዕሩቕ ከዓ ኽዳን እንተ ኸደነ፥
ስለዙይ ኦ ንጉስ፥ ምኽረይ የሐጕስካ። ህድኣት ዘለዎ ነዊሕ ዕድመ ኽትረክብ፥ ሓጢኣትካ ብፅድቂ፥ በደልካ ድማ ንድኻታት ብምምፅዋት ኣወግዶ” በሎ።
እቲ ንጉስ ከዓ ‘ካብዞም ንኡሳት ኣሕዋተይ፥ ንሓደ ዝገበርኩምዎ፥ ንኣይ ከም ዝገበርክምዎ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ!’ ኢሉ ይምልሰሎም።
ግና ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ንምፅዋት ሃቡ፤ ድሕሪዙይ ኵሉ ነገር ፅሩይ ክኾነልኩም እዩ።
ኢየሱስ ድማ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ “እምበኣር ሓንቲ ተሪፋትካ ኣላ፤ ዘለካ ዅሉ ሼጥኻ፥ ንድኻታት ሃብ፤ ኣብ ሰማይ ሃብቲ ኽትረክብ ኢኻ፤ ነዓ ተኸተለኒ” በሎ።
ዘኬዎስ ከዓ ተሲኡ ንጐይታ “ኦ ጐይታ! እንሆ ፍርቂ ጥሪተይ፥ ንድኻታት እህብ፤ ዝዓመፅክዎ እንተ ሃልዩውን ኣርባዕተ ዕፅፊ እፈድዮ” በሎ።
ንገሊኣቶም ግና፥ ሙዳየ ምፅዋት ምስ ይሁዳ ስለ ዝነበረ፥ ኢየሱስ “ንበዓል ዘድልየና ዓድግ” ወይ ከዓ “ንድኻታት ሃብ” ዝበሎ መሲልዎም ነበረ።
ንሱ ምስ ኵሉ ስድራ ቤቱ ናብ እግዚኣብሄር ዝፅሊ፥ ንህዝቢ እውን ብዙሕ ምፅዋት ዝምፅውት፥ ኵልሻዕ ከዓ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ መንፈሳዊ ሰብ ነበረ።
‘ቆርኔሌዎስ፥ ፀሎትካ ተሰሚዑ፤ ምፅዋትካ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓሪጉ እዩ።
ብፍርሒ ናብኡ እናጠመተ ኸዓ “እንታይ እዩ ጐይታይ?” በሎ። እቲ መልኣኽ ድማ “ፀሎትካን ምፅዋትካን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንመዘከርታ ዓሪጉ እዩ፤
እቲ ሰራቒ ዝነበረ፥ ደጊም ኣይስረቕ፤ እኳ ደኣ፥ ነቲ ዝፀገሞ ዘማቕሎ ምእንቲ ኽህልዎስ፥ ፅቡቕ ስራሕ እናሰርሐ ደኣ፥ በእዳዉ ይፅዓር እምበር።
ነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ፥ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዝህበና እግዚኣብሄር እምበር፥ በዝ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ ኣዝዞም።
ገበርቲ ሰናይ ክኾኑ፥ ብሰናይ ግብሪ ኽህብትሙ፥ ለጋሳትን ንምክፋል ድልዋትን ክኾኑ ኣዝዞም።
እግዚኣብሄር ቅኑዕ ፈራዲ ስለ ዝኾነ፥ ነቲ ምእንቲ ፍቕሩ ኢልኩም፥ ብስሙ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን፥ እተገልግልዎም ዘለኹምን፥ ስራሕኹም ዝርስዕ ኣይኮነን።
እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ንፁህን ርኽሰት ዘይብሉን ኣምልኾ፥ ንባዕልኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሓለኻ፥ ወለዲ ንዘይብሎም ቈልዑን መበለታትን፥ ኣብ ጊዜ ሽግሮም ምርዳእ እዩ።
ኣሕዋተይ፥ ሓደ ሰብ እምነት ኣላትኒ እንተበለ፥ ተግባር ግና እንተ ዘይሃልይዎ፥ እንታይ ትጠቕሞ? እዛ እምነት እዚኣዶ ኽተድሕኖ ትኽእል?
ግና ዝኾነ ይኹን ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎ እሞ፥ ሓዉ ተሸጊሩ እንተሎ እናረአዮ እንተ ዘይራህርሀሉ፥ ከመይ ኢሉ ደኣ፥ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ኽነብር ይኽእል?
ነቲ ዝረአዮ ሓዉ ዘየፍቀረስ፥ ነቲ ዘይረአዮ እግዚኣብሄር፥ ከፍቅር ኣይከኣሎን እዩ እሞ፥ ንሓዉ እናፀልአ፥ “ንእግዚኣብሄር ኣፍቅር እየ” ዝብል እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ሓሳዊ እዩ።