Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ወንጌል ሉቃስ 3:1 - መፅሓፍ ቅዱስ

1 ጢባርዮስ ቄሳር ካብ ዝነግስ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት፥ ጲላጦስ ጴንጤናዊ ኣብ ይሁዳ ኽገዝእ እንተሎ፥ ሄሮድስ ኣብ ገሊላ፥ ፊልጶስ ሓዉ ኣብ ኢጡርያስን ኣብ ሃገር ጥራኮኒዶስን፥ ሊሳንዮስ ድማ ኣብ ሰቢላኒስ ገዛእቲ ኣብ ዝነበሩሉ፥

Ver Capítulo Copiar




ወንጌል ሉቃስ 3:1
19 Referencias Cruzadas  

እቲ ኽገዝእ ዝግብኦ ክሳዕ ዝመፅእ፥ ኣህዛብውን ክሳዕ ዝግዝእዎ፥ በትሪ መንግስቲ ኻብ ይሁዳ፥ ዘንጊ ገዛኢ ኸዓ ኻብ ማእኸል ኣእጋሩ፥ ኣይሰኣንን እዩ።


በቲ ጊዜ እቱይ ገዛኢ ገሊላ ሄሮድስ ዝና ኢየሱስ ሰምዐ።


ሄሮድስ ብሰንኪ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉ፥ ንዮሃንስ ሒዙ፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትይዎ ነበረ።


በዓል ልደት ሄሮድስ ምስ ኮነ፥ ጓል ሄሮድያዳ ኣብ ማእኸሎም ሳዕሲዓ ንሄሮድስ ኣሐጐሰቶ፤


እምበኣር እንታይ ይመስለካ እስኪ ንገረና? ንቄሳር ግብሪ ምሃብ ይግባእ ድዩ ወይ ኣይግባእን?” በልዎ።


ኣሲሮም ወሰድዎ እሞ፥ ንጲላጦስ ነቲ ሹም ኣሕሊፎም ሃብዎ።


ሄሮድስ ንሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉ ኣእትይዋ ነበረ እሞ፥ ብሰንካ ሓሻኽሩ ልኢኹ፥ ንዮሃንስ ሒዙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሲርዎ ነበረ።


ሄሮድስ ዝተወለደላ መዓልቲ ከኽብር፥ ንመሳፍንቲ፥ ንመኳንንቲ፥ ንናይ ገሊላ ዓበይቲ ዓዲ፥ ምሳሕ ምስ ገበረ፥ ሽዑ ምችዊ መዓልቲ ኾነ።


በታ ጊዜ እቲኣ ገሊኣቶም ሰባት ካብ ፈሪሳውያን፥ ናብ ኢየሱስ መፂኦም፥ “ሄሮድስ ክቐትለካ ይደሊ ኣሎ እሞ፥ ካብዙይ ወፂእኻ ኺድ” በልዎ።


በቲ ጊዜ እቱይ፥ ኵሉ ዓለም ክምዝገብ ካብ ቄሳር ኣውግስጦስ ትእዛዝ ወፀ።


ጲላጦስ ድማ ልመናኦም ክፍፀመሎም ፈረደ።


እንተ ኾነ ዮሃንስ፥ ንንጉስ ሄሮድስ ብዛዕባ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉን፥ ብዛዕባ እቲ ዅሉ ሄሮድስ ዝገበሮ ኽፉእ ነገርን ይግስፆ ስለ ዝነበረ፥


ንጉስ ሄሮድስ፥ ብዛዕባ እቲ ብኢየሱስ ዝተገብረ ኵሉ ነገር ሰሚዑ ተደናገፀ። ምኽንያቱ ገሊኣቶም ሰባት “ዮሃንስ ካብ ሞት ተሲኡ” ይብሉ ነበሩ፤


“ካብ ቀላውዴዎስ ሉስዮስ፥ ናብ ክቡር ሹም ፊልክስ፥ ሰላም ንኣኻ ይኹን።


ክልተ ዓመት ምስ ሓለፈ፥ ጶርቅዮስ ፊስጦስ ክንዲ ፊልክስ ተሸመ። ፊልክስ ከዓ ንኣይሁድ ከሕጕስ ደልዩ፥ ንጳውሎስ ብእሱሩ ሓደጎ።


ሽዑ እቲ ንጉስን፥ እቲ ሹም ብርኒቄን፥ እቶም መቓምጦምን ተስኡ።


ብሓቂውን ሄሮድስን ጴንጤናዊ ጲላጦስን፥ ምስ ኣህዛብን ምስ ህዝቢ እስራኤልን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቐባእኻዮ ቕዱስ ወድኻ ኢየሱስ፥ ንሻራ ተልዓሉ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos