9 ካብቲ መቓብር ተመሊሰን ድማ ነዝ ዅሉ፥ ነቶም ዓሰርተ ሓደን፥ ነቶም ካልኦት ብፆቶምን ነገራኦም።
ንሳ ድማ ኸይዳ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ፥ እናበኸዩን እናጐሃዩን እንተለዉ ነገረቶም።
እተን እዙይ ንሃዋርያት ዝነገራ ድማ፥ ማርያም መግደላዊትን ዮሃናን፥ ማርያም እኖ ያእቆብን እየን። ካልኦት ኣንስትውን ምስኣተን ነበራ።
ነቲ ቓሉ ኸዓ ዘከራ።