Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ወንጌል ሉቃስ 24:6 - መፅሓፍ ቅዱስ

6-7 ንሱስ፥ ተሲኡ እዩ፤ ኣብዙይ የለን። ነቲ ኣብ ገሊላ እንተሎ ‘ወዲ ሰብ፥ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ክወሃብን ክስቀልን፥ ብሳልሰይቲ መዓልቲ እውን፥ ክትስእ ግድን እዩ’ ኢሉ ዝነገረክን ዘክራ” በልወን።

Ver Capítulo Copiar




ወንጌል ሉቃስ 24:6
19 Referencias Cruzadas  

ዮናስ ኣብ ከርሲ ዓሳ ኣንበሪ፥ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ከም ዝፀንሐ፥ ከምኡ ኸዓ ወዲ ሰብ፥ ኣብ ከርሲ ምድሪ፥ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ክፀንሕ እዩ።


ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ ከም ዘለዎ፥ ብዓበይትን ብሊቃነ ካህናትን ብመምህራን ሕግን፥ ብዙሕ መከራ ኸም ዝቕበል፥ ከም ዝቕተልን፥ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኸም ዝትስእን ንደቀ መዛሙርቱ ኽገልፀሎም ጀመረ።


“ጐይታ! እቲ መስሓቲ፥ ብህይወቱ እንተሎ ‘ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኽትስእ እየ’ ኸም ዝበለ ዘኪርና።


ንሱ ኣብዙይ የለን፤ ከምቲ ዝበሎ ተሲኡ እዩ እሞ፥ ንዕነ ነታ ጐይታ ተቐቢሩላ ዝነበረ ስፍራ ረአያ።


ንሱ ግና “ኣይትደንግፃ፤ ንስኻትክንስ ነቲ ዝተሰቕለ፥ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ኢኽን እትደልያ ዘለኽን፤ ተሲኡ እዩ፤ ኣብዙይ የለን፤ እቲ ዝተቐበረሉ ቦታ እንሆ።


ወዲ ሰብ ብዙሕ መከራ ኽቕበል፥ ብሽማግለታት ህዝብን፥ ብሊቃነ ካህናትን፥ ብመምህራን ሕግን ክነዓቕን ክቕተልን፥ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ እውን ክትስእ ከም ዘለዎ ኽምህሮም ጀመረ።


“ብሓቂ ጐይታ ተሲኡ እዩ! ንስምኦንውን ተርእዩዎ እዩ” ይብሉ ነበሩ።


ፈሪሐን ገፀን ናብ ምድሪ ኣድኒነን እንተለዋ፥ ንሳቶም፦ “ንምንታይ ደኣ፥ ነቲ ህያው፥ ምስ ምውታን ትደልያኦ ኣለኽን?


“ወዲ ሰብ ብዙሕ መከራ ኽረክብ፥ ብዓበይትን ብሊቃነ ካህናትን ብመምህራን ሕግን ድማ፥ ክከሓድን ክቕተልን፥ ብሳልሰይቲ መዓልቲ እውን ክትስእ ግድን እዩ” በሎም።


“ንወዲ ሰብ፥ ኣብ ኢድ ሰብ ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም እሞ፥ ንስኻትኩም ነዝ ቓል እዙይ ኣብ ልብኹም ዕቘርዎ” በሎም።


ሞት ሒዙ ኸፅንዖ ስለ ዘይከኣለ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር መእሰሪ ሞት ፈቲሑ ኣተስኦ።


ኣነ ገና ምሳኻትኩም እንተለኹ፥ ነዙይ ከም ዝነገርኩኹምከ፥ ኣይትዝክርዎን ዲኹም?


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos