Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ወንጌል ሉቃስ 24:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4 ብዛዕባ እዙይ ክግረማ እንተለዋ ድማ፥ እንሆ ዘንፀባርቕ ክዳውንቲ ዝተኸደኑ ኽልተ ሰባት ኣብ ጥቓአን ደው በሉ።

Ver Capítulo Copiar




ወንጌል ሉቃስ 24:4
9 Referencias Cruzadas  

ኣዒንቱ ቘላሕ እንተበለ፥ እንሆ ሰለስተ ሰባት ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሎም ረአየ። ምስ ረአዮም ድማ ኻብ ኣፍ ደገ ድንኳኑ ብድድ ኢሉ ኽቕበሎም ጐየየ፤ ናብ ምድሪ ፍግም ኢሉውን ሰገደ።


ናብቲ መቓብር ኣትየን ከዓ፥ ፃዕዳ ኽዳን ዝተኸደነ ጐበዝ፥ ብወገን የማን ተቐሚጡ ምስ ረአያ የመና ደንገፃ።


እንሆ ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ጥቓኦም ቆመ፤ ክብሪ እግዚኣብሄርውን ኣብ ዙርያኦም ኣብርሀ፤ የመና ድማ ፈርሑ።


ፈሪሐን ገፀን ናብ ምድሪ ኣድኒነን እንተለዋ፥ ንሳቶም፦ “ንምንታይ ደኣ፥ ነቲ ህያው፥ ምስ ምውታን ትደልያኦ ኣለኽን?


ንሱ ኽዓርግ እንተሎ፥ ንሳቶም ድማ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሮም ክጥምቱ እንተለዉ፥ እንሆ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸደኑ ኽልተ ሰባት፥ ኣብ ጥቓኣቶም ደው ኢሎም፥


እንሆ ኸዓ መልኣኽ እግዚኣብሄር ናብኡ ወሪዱ ተርኣየ፤ ኣብታ ቤት ማእሰርቲ ድማ፥ ብርሃን በርሀ፤ እቲ መልኣኽ ንጴጥሮስ ጐኑ ነኺኡ “ቐልጢፍካ ተስእ!” በሎ፤ እተን መዋቕሕ ድማ፥ ካብ ኣእዳዉ ወደቓ።


እወ እቲ “ብስጋ ሰብ ተገልፀ፤ ብመንፈስ ፀደቐ፤ ብመላእኽቲ ተርኣየ፤ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ተሰብከ፤ ኣብ ዓለም ተኣምነ፤ ብኽብሪ ዓረገ” ዝብል ናይ እምነትና ምስጢር፥ ብርግፅ ዓብዪ እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos