2 እቲ እምኒ ኸዓ፥ ካብቲ መቓብር ተንከባሊሉ ረኸባኦ።
እንሆ መልኣኽ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ወሪዱ ነበረ እሞ፥ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኾነ፤ ቅርብ ኢሉ ኸዓ፥ ነቲ እምኒ ኣንከባሊሉ ኣብ ልዕሊኡ ተቐመጠ።
በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፥ እተን ኣንስቲ ነቲ ዘዳለዋኦ ሽቱ ሒዘን፥ ካልኦትውን ምስኣተን፥ ኣንጊሀን ናብቲ መቓብር ከዳ።
ኣብኡ ኣትየን ግና፥ ናይ ጐይታ ኢየሱስ ስጋ ኣይረኸባን።
ሽዑ ኢየሱስ ብልቡ ሓዚኑ፥ ናብቲ መቓብር መፀ፤ እቲ መቓብር ከዓ፥ ብእምኒ ዝተዓፀወ በዓቲ ነበረ።
ብድሕሪዙይ ነቲ እምኒ ኣልዓልዎ። ኢየሱስ ከዓ ኣዒንቱ ንላዕሊ ቋሕ ኣቢሉ “ኣቦ፥ ስለ ዝሰማዕኻኒ አመስግነካ ኣለኹ።