11 እዝ ነገር እዙይ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ከም ሃተፍተፍ መሲሉ ስለ ዝተርኣዮም፥ ኣይኣመንወንን።
ሎጥ ድማ ወፂኡ ነቶም ነጓላቱ ኽምርዓዉ ዝነበሩ ሕፁያት ደቁ፥ “እግዚኣብሄር ነዛ ኸተማ ኸጥፍኣ እዩ እሞ፥ ተስኡ፤ ካብዛ ቦታ እዚኣ ውፁ” በሎም። እቶም ሕፁያት ኣጓላቱ ግና ናይ ዋዛ መሰሎም።
ቀንዲ ኣገልጋሊ እቲ ንጉስ ድማ ንኤልሳዕ “እግዚኣብሄር መሳዅቲ ሰማይ ከፊቱ እኽሊ እንተ ዘዝንም እኳ እዝ ነገር እዙይ ይኸውንዶ?” ኢሉ መለሰሉ። ኤልሳዕ ከዓ “በዒንትኻ ኽትሪኦ ኢኻ፤ ግና ኻብኡ ኣይትጥዕምን ኢኻ” በሎ።
ፀዊዐዮ እንተ ዝምልሰለይ እኳ፥ ንድምፀይ ፅን ከም ዝበሎ ኣይምኣመንኩን።
እግዚኣብሄር ንምርኮ ፅዮን ምስ መለሰ፥ የመና ሕጉሳት ኮንና።
ንሳቶም ግና ንሱ ህያው ከም ዝኾነን፥ ንኣኣውን ከም ዝተርኣያን ሰሚዖም ኣይኣመንዋን።
ንሳቶም ከዓ ተመሊሶም ነቶም ብፆቶም ነገርዎም፤ እንተ ኾነ ንኣኣቶምውን ኣይኣመንዎምን።
ብድሕሪኡ ነቶም ዓሰርተ ሓደ ደቀ መዛሙርት፥ ኣብ ማእዲ ተቐሚጦም እንተለዉ ተርኣዮም፤ ነቶም ምስ ተስአ ዝረአይዎ ኣይኣመንዎምን ነበሩ እሞ፥ ብዘይ ምእማኖምን ብትረት ልቦምን ገሰፆም።
ንሱ ድማ፥ “ኣቱም ነቢያት ዝተዛረብዎ ዅሉ ንምእማን ልቦም ዝደንጐየ፥ ኣቱም ዘይተስተውዕሉ፥
ንሳቶም ድማ ኻብ ታሕጓስ ዝተልዓለ፥ ምእማን ስኢኖም እናተገረሙ እንተለዉ፥ “ዝኾነ ዝብላዕዶ ኣለኩም?” በሎም።
ጴጥሮስውን ወፂኡ ሰዓቦ። እንተ ኾነ ዝሓልም ዘሎ ደኣ ይመስሎ ነበረ እምበር፥ እቲ መልኣኽ ብውነ ዝተርኣዮ ምዃኑ፥ ኣይፈልጥን ነበረ።