1 በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፥ እተን ኣንስቲ ነቲ ዘዳለዋኦ ሽቱ ሒዘን፥ ካልኦትውን ምስኣተን፥ ኣንጊሀን ናብቲ መቓብር ከዳ።
እንሆ ኸዓ ኣንስቲ ኣብ ርሑቕ ኮይነን የማዓድዋ ነበራ፤ ካብኣተን ከዓ ማርያም መግደላዊትን ማርያም እኖ ንኡስ ያእቆብን ዮሳን፥ ሰሎሜን ነበራ።
እተን እዙይ ንሃዋርያት ዝነገራ ድማ፥ ማርያም መግደላዊትን ዮሃናን፥ ማርያም እኖ ያእቆብን እየን። ካልኦት ኣንስትውን ምስኣተን ነበራ።
እቲ እምኒ ኸዓ፥ ካብቲ መቓብር ተንከባሊሉ ረኸባኦ።
ካባና ናብ መቓብር ገስጊሰን ከይደን ዝነበራ ኣንስቲ ግና፥ ዘገርም ነገር ነገራና።