51 ዓዱ ድማ ኣርማትያስ ዝበሃል፥ ከተማ ኣይሁድ ነበረ። ንሱ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ዝፅበያ ደኣ ነበረ እምበር፥ ኣብቲ ምኽሪ ኣይሁድን ግብሮምን ግና፥ ሕብረት ኣይነበሮን።
“ኦ እግዚኣብሄር፥ ንምድሓንካ እፅበ ኣለኹ።”
“ክፉእ ንምግባር ደድሕሪ ብዙሓት ሰባት ኣይትስዓብ። ነቶም ብዙሓት ወጊንካ ፍርዲ ንምቕይናን ኣይትመስክር።
ወደይ፥ ሓጥኣን እንተ ሓባበሉኻ፥ ሕራይ ኣይትበሎም።
“እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ሻራ ኢሎም ንዝፅውዕዎ ዝኾነ ነገር ሻራ ኣይትበሉ፤ ነቲ ንሳቶም ዝፈርሕዎ፥ ኣይትፍርሕዎ፤ ብእኡውን ኣይትርዓዱ።
ምስ መሰየ ግና፥ ዮሴፍ ዝተብሃለ ሃብታም ሰብኣይ ካብ ኣርማትያስ መፀ። ንሱ ኸዓ ደቀ መዝሙር ኢየሱስ ነበረ።
እቲ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ዝፅበ፥ ፈላጥን ክቡርን ናይ ኣይሁድ ኣማኻሪ፥ በዓል ኣርማትያስ ዮሴፍ መፀ፤ ብትብዓት ናብ ጲላጦስ ኣትዩውን ስጋ ኢየሱስ ክወሃቦ ለመነ።
እንሆ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ስምኦን ዝበሃል ሰብ ነበረ። እዝ ሰብ እዙይ፥ ምፅንናዕ እስራኤል ክርኢ ዝፅበ፥ ፃድቕን ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕን ሰብ ነበረ፤ መንፈስ ቅዱስ ድማ ሓዲርዎ ነበረ።
ሽዑ መፂኣ ንእግዚኣብሄር ኣመስገነቶ፤ ንዅሎም ነቶም ምድሓን ኢየሩሳሌም ዝፅበዩ ከዓ፥ ብዛዕባኡ ተዛረበቶም።
ንኢየሱስ ከዓ፦ “ኦ ጐይታ! ብመንግስትኻ ኽትመፅእ እንተለኻ ዘክረኒ” በሎ።
ንሱ ናብ ጲላጦስ ከይዱ፥ ናይ ኢየሱስ ስጋ ኽህቦ ለመኖ።
ኣብ ኣርማቴም መሴፋ፥ ኣብ እምባታት ኤፍሬም፥ ሕልቃና ዝስሙ ኤፍሬማዊ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ወዲ የኢያሬምኤል፥ ወዲ ኢሊዮ፥ ወዲ ቶሑ፥ ወዲ ናሲብ ነበረ።