Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ወንጌል ሉቃስ 22:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4 ከይዱ ኸዓ፥ ከመይ ገይሩ ኣሕሊፉ ኸም ዝህቦም፥ ምስቶም ሊቃነ ካህናትን፥ ኣሕሉቕ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ተዘራረበ።

Ver Capítulo Copiar




ወንጌል ሉቃስ 22:4
9 Referencias Cruzadas  

ኣዛርያስ ወዲ ኬልቂያስ፥ ወዲ ሜሱላም፥ ወዲ ሳዶቅ፥ ወዲ መራዮት፥ ወዲ ኣኪጦብ። ኣኪጦብ ሹም ቤት እግዚኣብሄር ነበረ።


ሰራያ ወዲ ኪልቂያስ፥ ወዲ ሜሱላም፥ ወዲ ሳዶቅ፥ ወዲ መራዮት፥ ወዲ ኣኪጦብ፥ ሓለቓ ቤት እግዚኣብሄር።


ሽዑ እቲ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዝተብሃለ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተ ኽልተ፥ ናብ ሊቃነ ካህናት ከይዱ፥


ንሳቶምውን ተሓጐሱ፤ ገንዘብ ክህብዎ ኸዓ ተወዓዓልዎ።


ኢየሱስ፥ ነቶም ክሕዝዎ ዝመፁ ሊቃነ ካህናትን፥ ኣሕሉቕ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ሽማግለታትን፦ “ከም ከታሪዶ ኣስይፍትን ኣብትርትን ሒዝኩም መፂእኹምኒ?


ጴጥሮስን ዮሃንስን ነቶም ህዝቢ ኽነግርዎም እንተለዉ፥ ካህናትን ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ሰዱቃውያንን ናብኣቶም መፁ።


እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን፥ ሊቃነ ካህናትን፥ እዝ ነገር እዙይ ምስ ሰምዑ “እዙይ እንታይ ኮን ይኸውን?” ኢሎም ብዛዕባኣቶም ዝብልዎ ሰኣኑ።


ሽዑ እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስ፥ ምስቶም ሓሻኽሩ ኸይዱ ኣምፅኦም። እንተምፅእዎምውን ብሓይሊ ዘይኮነስ ብምቅብጣር እዩ፤ እዙይውን እቲ ህዝቢ ብእምኒ ኸይቕጥቅጦም፥ ስለ ዝፈርሑ እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos