4 ከይዱ ኸዓ፥ ከመይ ገይሩ ኣሕሊፉ ኸም ዝህቦም፥ ምስቶም ሊቃነ ካህናትን፥ ኣሕሉቕ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ተዘራረበ።
ኣዛርያስ ወዲ ኬልቂያስ፥ ወዲ ሜሱላም፥ ወዲ ሳዶቅ፥ ወዲ መራዮት፥ ወዲ ኣኪጦብ። ኣኪጦብ ሹም ቤት እግዚኣብሄር ነበረ።
ሰራያ ወዲ ኪልቂያስ፥ ወዲ ሜሱላም፥ ወዲ ሳዶቅ፥ ወዲ መራዮት፥ ወዲ ኣኪጦብ፥ ሓለቓ ቤት እግዚኣብሄር።
ሽዑ እቲ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዝተብሃለ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተ ኽልተ፥ ናብ ሊቃነ ካህናት ከይዱ፥
ንሳቶምውን ተሓጐሱ፤ ገንዘብ ክህብዎ ኸዓ ተወዓዓልዎ።
ኢየሱስ፥ ነቶም ክሕዝዎ ዝመፁ ሊቃነ ካህናትን፥ ኣሕሉቕ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ሽማግለታትን፦ “ከም ከታሪዶ ኣስይፍትን ኣብትርትን ሒዝኩም መፂእኹምኒ?
ጴጥሮስን ዮሃንስን ነቶም ህዝቢ ኽነግርዎም እንተለዉ፥ ካህናትን ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ሰዱቃውያንን ናብኣቶም መፁ።
እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን፥ ሊቃነ ካህናትን፥ እዝ ነገር እዙይ ምስ ሰምዑ “እዙይ እንታይ ኮን ይኸውን?” ኢሎም ብዛዕባኣቶም ዝብልዎ ሰኣኑ።
ሽዑ እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስ፥ ምስቶም ሓሻኽሩ ኸይዱ ኣምፅኦም። እንተምፅእዎምውን ብሓይሊ ዘይኮነስ ብምቅብጣር እዩ፤ እዙይውን እቲ ህዝቢ ብእምኒ ኸይቕጥቅጦም፥ ስለ ዝፈርሑ እዩ።