2 ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን፥ ነቶም ህዝቢ ይፈርሑ ስለ ዝነበሩ፥ ከመይ ገይሮም ንኢየሱስ ከም ዝቐትልዎ፥ ይበላሓቱ ነበሩ።
ፈሪሳውያን ግና ኻብኡ ወፂኦም ከመይ ገይሮም ከም ዝቐትልዎ ተማኸሩ።
እቶም ሓረስቶት ግና ነቲ ወዱ ምስ ረአይዎ፥ ንስንሳቶም ‘እንሆ እቲ ወራሲኡ እዙይ እዩ፤ ንዑ ንቕተሎሞ፥ ርስቱ ኽንወርስ’ ተባሃሃሉ።
“ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ፥ ፋሲካ ኸም ዝኸውን ትፈልጡ ኢኹም፤ ንወዲ ሰብ ድማ፥ ክስቀል ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም” በሎም።
ፋሲካን በዓል ቅጫን ክኸውን ክልተ መዓልቲ ተሪፍዎ ነበረ። ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ንኢየሱስ ብተንኰል ሒዞም ክቐትልዎ ይደልዩ ነበሩ።
ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ከዓ፥ ነዝ ምስላ እዙይ ብዛዕባኣቶም ከም ዝተዛረቦ ስለ ዝፈለጡ፥ በታ ሰዓት እቲኣ ኽሕዝዎ ደለዩ፤ ግና ነቶም ህዝቢ ፈርሑ።
እቶም ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን ከዓ፥ ምእንቲ ኽሕዝዎ፥ ነታ ንሱ ዘለዋ ስፍራ ዝፈልጥ ሰብ እንተ ሃልዩ፥ ክሕብረሎም ኣዘዙ።
ብሓቂውን ሄሮድስን ጴንጤናዊ ጲላጦስን፥ ምስ ኣህዛብን ምስ ህዝቢ እስራኤልን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቐባእኻዮ ቕዱስ ወድኻ ኢየሱስ፥ ንሻራ ተልዓሉ።