8 ንሱ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ከየስሕቱኹም ተጠንቀቑ! ብዙሓት ‘ኣነ ክርስቶስ እየ፤ እቲ ዘመን ከዓ ቐሪቡ እዩ’ እናበሉ፥ ብስመይ ክመፁ እዮም እሞ ኣይትከተልዎም።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ብርግፅ ከምዙይ ይብል ኣሎሞ፥ በቶም ኣብ ማእኸልኩም ዝነብሩ ነቢያትን ጠንቈልትን ኣይትታለሉ፤ ነቲ እትሓልምዎ ሕልሚ ኣይትእመኑ።
ብዙሓት ሓሰውቲ ነቢያት ክለዓሉ፥ ንብዙሓትውን ከስሕትዎም እዮም።
ኢየሱስ ካብታ እዋን እቲኣ፥ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ እያ እሞ፥ ንስሃ እተዉ” እናበለ ኽሰብኽ ጀመረ።
‘እንሆ፥ ክርስቶስ ኣብዙይ ኣሎ’ ‘ወይ ኣብቱይ ኣሎ’ እንተ በሉኹም ኣይትኺዱ፤ ኣይትከተልዎምውን።
ንሳቶም ከዓ፥ “ኦ መምህር! እዙይ መኣዝ እዩ ዝኸውን? እዙይ ዝኾነሉ ጊዜኸ፥ ምልክቱ እንታይ እዩ?” ኢሎም ጠየቕዎ።
ብዛዕባ ውግእን ህውከትን እንተ ሰማዕኹምውን፥ ኣይትደንግፁ፤ ኣቐዲሙ እዙይ ክኸውን ግድን እዩ እሞ፥ እንተ ኾነ፥ እቲ ፍፃሜ ሽዑ ንሽዑ ኣይኸውንን እዩ።”
ኣነ ብስም ኣቦይ መፂአ ኣይተቐበልኩምንን፤ ካልእ ብስም ርእሱ እንተ መፀ ግና፥ ንእኡ ኽትቅበልዎ ኢኹም።
ስለዙይ ከዓ እየ፥ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም ዝበልኩኹም። ኣነ ንሱ ምዃነይ እንተ ዘይኣሚንኩም፥ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም” በሎም።
ስለዙይ ኢየሱስ “ንወዲ ሰብ ልዕል ልዕል ምስ ኣበልኩምዎ፥ ኣነ ንሱ ኸም ዝኾንኩን፥ ከምቲ ኣቦይ ዝመሃረኒ ኸም ዝገብርን እምበር፥ ካብ ርእሰይ ሓንቲኳ ኸም ዘይገብር፥ ሽዑ ኽትፈልጡ ኢኹም።
ዓመፅቲ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ኣይትጋገዩ፤ ኣመንዝራታት ወይ መምለኽቲ ጣዖት፥ ዘመውቲ ወይ ግብሪ ሰዶም ዝገብሩ፥
ብሰንኪ እዝ ነገራት እዙይ፥ ኣብቶም ንእግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ሰባት፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ክወርድ እዩ እሞ፥ ሓደኳ ብኸንቱ ዘረባ ኣየስሕትኩም።
ኣቐዲሙ ኽሕደት እንተይመፀ፥ እቲ ናይ ዓመፅ ሰብ ዝኾነ፥ ናይ ጥፍኣት ሰብ እንተይተገልፀ፥ ጐይታ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ ኣይትመፅእን እያ እሞ፥ ሓደኳ ብዝኾነ መንገዲ ኣየስሕትኩም።
እቶም ክፉኣት ሰባትን መምሰልትን ግና፥ እናኣስሓቱን እናሰሓቱን፥ ናብ ዝገደደ ኽፍኣት ክበፅሑ እዮም።
ኣቱም ፍቑራተይ፥ ብዙሓት ሓሰውቲ ነቢያት፥ ናብ ዓለም ወፂኦም ኣለዉ እሞ፥ እቶም መናፍስቲ ኻብ እግዚኣብሄር እንተ ኾይኖም መርምሩ እምበር፥ ንዅሉ መንፈስ ኣይትእመኑ።
ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ሰብ ኮይኑ ብስጋ ኸም ዝመፀ ዘይኣምኑ፥ ብዙሓት መስሐትቲ፥ ናብ ዓለም ወፂኦም ኣለዉ። እዙይ፥ እቲ መስሓቲን፥ ፀረ ክርስቶስን እዩ።
እቲ እዙይ ዝፍፀመሉ ዘመን ቀረባ ስለ ዝኾነ ድማ፥ እቲ ነዝ ቓል ትንቢት እዙይ ዘንብብ፥ ብፁእ እዩ፤ እቶም ዝሰምዕዎን፥ ነቲ ኣብኡ ተፅሒፉ ዘሎውን ዝሕልውዎን፥ ብፁኣን እዮም።
እቲ ንዅላ ዓለም ዘስሓታ ዓብዪ ገበል፥ ተደርበየ፤ ንሱ እቲ ዲያብሎስ ወይ ሰይጣን ዝበሃል፥ ናይ ጥንቲ ተመን እዩ፤ ናብ ምድሪ ተደርበየ፤ መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ።