12 ቅድሚ እዝ ዅሉ ግና፥ ክሕዙኹምን ከሳጕጉኹምን እዮም። ምእንቲ ስመይ ከዓ፥ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድን፥ ናብ ቤት ማእሰርትን ክወስዱኹም፥ ናብ ነገስታትን ሹመኛታትን ከብፅሑኹም እዮም።
እቶም ዝተረፉ ድማ፥ ነቶም ኣገልገልቲ ሒዞም ኣዋረድዎም፤ ቀተልዎምውን።
እዝ ዅሉ ናይ መጀመርታ ቕልውላው እዩ።
ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት፥ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድርን ጥሜትን ፌራን ክኸውን እዩ፤ ኣብ ሰማይውን ዘርዕድን፥ ዓብዪ ምልክትን ክኸውን እዩ።
‘ኣገልጋሊ፥ ካብ ጐይታኡ ኣይዓብን እዩ’ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃል ዘክሩ፤ ንኣይ እንተ ኣሳጒጎምኒ ንኣኻትኩምውን ከሳጕጉኹም እዮም፤ ቃለይ እንተ ሓልዮም፥ ቃልኩምውን ክሕልዉ እዮም።
እንተ ኾነ ነቲ ዝለኣኸኒ ስለ ዘይፈልጥዎ፥ ምእንቲ ስመይ፥ እዝ ዅሉ ኣብ ልዕሌኹም ክፍፅምዎ እዮም።
ብፅባሒቱ ኣይሁድ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝኸሰስዎ ንፁር ነገር ክፈልጥ ደልዩ ድማ፥ እቲ ሓለቓ ሽሕ ፈትሖ። ንሊቃውንቲ ካህናትን፥ ንብዘሎ እቲ ዋዕላን ክእከቡ ኣዘዞም፤ ንጳውሎስ ድማ ኣምፂኡ ኣብ ቅድሚኣቶም ኣቖሞ።
ነቲ ምኽሩ ተቐበልዎ፤ ንሃዋርያት ግና ፀዊዖም ገረፍዎም፤ ብስም ኢየሱስ ከይናገሩ ኣዚዞም ከዓ ሰደድዎም።
ሳውል ግና ነታ ቤተ ክርስቲያን ከጥፍኣ፥ ገዛ ገዛ እናኸደ፥ ሰብኡትን ኣንስትን እናጐተተ፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ የእትዎም ነበረ።
ናብ ምድሪ እውን ወደቐ፤ “ሳውል፥ ሳውል፥ ስለ ምንታይ ተሳጕጐኒ?” ዝብል ድምፂውን ሰምዐ።
ምእንቲ እግዚኣብሄር ኢልኩም፥ ንዅሎም ሰብ ስልጣን ተገዝእዎም፤ ነቲ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ንጉስ ኮነ፥
ነቲ ዝመፀካ መከራ ኣይትፍርሓዮ። እንሆ ምእንቲ ኽትፍተኑ፥ ዲያብሎስ ንገሊኻትኩም፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኽድርብየኩም እዩ፤ ዓሰርተ መዓልቲ እውን መከራ ኽረኽበኩም እዩ። ንስኻ ግና፥ ክሳዕ ሞት እሙን ኩን፤ ኣነውን፥ ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ።