11 ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት፥ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድርን ጥሜትን ፌራን ክኸውን እዩ፤ ኣብ ሰማይውን ዘርዕድን፥ ዓብዪ ምልክትን ክኸውን እዩ።
እንሆ ተስፋኡ ኸንቱ እዩ፤ ኵሉ ዝረአዮ ኣብ ቅድሚኡ ይዋረድ።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ብነጐድጓድን ብምንዋፅ ምድርን፥ ብብርቱዕ ሞገድን ብኣውሎ ንፋስን፥ ብፀፍዒ ማይን ብዘቃፅል ሃልሃልታ ሓዊን፥ ናባኺ ኽመፅእ እዩ።
ኣብ ልዕሊ ሰማይ ከዓ ተኣምራት፥ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ድማ፥ ደምን ሓዊን ትክን ከርኢ እየ።
ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፥ መንግስቲ እውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኽለዓል እዩ፤ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ፥ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ክኸውን እዩ።
ኣስዒቡውን ኸምዙይ በሎም፦ “ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፥ መንግስቲ እውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኽለዓል እዩ።
ቅድሚ እዝ ዅሉ ግና፥ ክሕዙኹምን ከሳጕጉኹምን እዮም። ምእንቲ ስመይ ከዓ፥ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድን፥ ናብ ቤት ማእሰርትን ክወስዱኹም፥ ናብ ነገስታትን ሹመኛታትን ከብፅሑኹም እዮም።