10 ኣስዒቡውን ኸምዙይ በሎም፦ “ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፥ መንግስቲ እውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኽለዓል እዩ።
“ግብፃውያን ኣብ ልዕሊ ግብፃውያን ክለዓሉ ኽገብሮም እየ እሞ፥ ሓው ምስ ሓዉ፥ ብፃይ ምስ ብፃዩ፥ ከተማ ምስ ከተማ፥ መንግስቲ ምስ መንግስቲ፥ ክዋግኡ እዮም።
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ካብ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዓብዪ ራዕዲ ኽወርድ እዩ። ንስንሳቱ ኢድ ብፃዩ ኽሕዝ እዩ፤ እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ ኽለዓል እዩ።
ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፥ መንግስቲ እውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ፥ ክለዓል እዩ፤ በብቦታኡ ምንቅጥቃጥ ምድርን፥ ጥሜትን ክኸውን እዩ፤ እዝ ነገራት እዙይ፥ ናይቲ ቕልውላው መጀመርታ እዩ።”
ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት፥ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድርን ጥሜትን ፌራን ክኸውን እዩ፤ ኣብ ሰማይውን ዘርዕድን፥ ዓብዪ ምልክትን ክኸውን እዩ።
ብዛዕባ ውግእን ህውከትን እንተ ሰማዕኹምውን፥ ኣይትደንግፁ፤ ኣቐዲሙ እዙይ ክኸውን ግድን እዩ እሞ፥ እንተ ኾነ፥ እቲ ፍፃሜ ሽዑ ንሽዑ ኣይኸውንን እዩ።”
ሓደ ኻብኣቶም ኣጋቦስ ዝስሙ ተሲኡ፥ ኣብ ኵሉ ዓለም ብርቱዕ ጥሜት ከም ዝኸውን፥ ብመንፈስ ቅዱስ ተዛረበ፤ እዙይ ዝኾነ ድማ ብዘመን ቀላውዴዎስ ቄሳር እዩ።
“ሓንሳእ ደጊመ” ዝብል ቃል ከዓ፥ እቲ ዝናወፅ ኵሉ ኸም ዝሓልፍ፥ እቲ ዘይናወፅ ድማ ፀኒዑ ኸም ዝነብር ከመልክት ኢሉ እዩ።