1 ኢየሱስ ቅንዕ ኢሉ፦ እቶም ሃብታማት ኣብቲ ሙዳየ ምፅዋት፥ መባእ እንተእትዉ ረአየ።
ንመዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን ንመዛግብቲ ቤተ መንግስትን ብምሉኡ ወሰደ። ነቲ ሰሎሞን ዝገበሮ ዅሉ ዋልታ ወርቂውን ወሰዶ።
ዮዳሄ ግና ሓደ ሳፁን ወሲዱ ኣብ መኽደኑ ነዃል ገበረሉ፤ ኣብ ጥቓ መሰውኢ፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር መእተዊ ብወገን የማን ኣንበሮ። እቶም በሪ ዝሕልዉ ኻህናት ድማ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝተረኽበ ዅሉ ገንዘብ ናብኡ ኣእተውዎ።
ከምቲ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ ድማ፥ ንዅሉ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን መዛግብቲ ቤት ንጉስን ወሪሩ ንባቢሎን ወሰዶ፤ ነቲ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝሰርሖ ዅሉ ኣቑሑ ወርቂ ኸዓ ሰባበሮ።
ንሱ ኸዓ ንዅሉ ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ዓቢይን ንእሽተይን፥ ንመዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን መዛግብቲ ንጉስን ንሹመኛታቱን ናብ ባቢሎን ወሰዶ።
ብዛዕባኡ ንሰለምያን ንሳዶቅ ፀሓፍን፥ ካብ ሌዋውያን ድማ ንፈዳያ ተሓዝቲ መዝገብ ገይረ ሾምኩ። ንሓናን ወዲ ዘኩር ወዲ መታንያ ድማ ኽሕግዞም ሃብክዎም። እሙናት ኮይኖም ስለ ዝተረኽቡ ድማ፥ ነሕዋቶም ገግደኦም ከካፍልዎም ተመረፁ።
እቶም ሊቃነ ካህናት ግና፥ ነቲ ገንዘብ ወሲዶም “ዋጋ ደም ስለ ዝኾነ፥ ኣብ ሙዳየ ምፅዋት ክነእትዎ ኣይግባእን እዩ” በሉ።
ኣብያተ መበለታት ዝብዝብዙ፥ ንምኽንያትውን ፀሎት ካብ ዘንውሑ መምህራን ሕጊ ተጠንቀቑ፤ ንሳቶም ብርቱዕ ቅፅዓት ክረኽቡ እዮም” በሎም።
ነዝ ነገራት እዙይ፥ ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ፥ ኣብ ጥቓ መቐበሊ ምፅዋት ኮይኑ ኽምህር እንተሎ እዩ ዝተዛረቦ። ጊዜኡ ስለ ዘይበፅሐ ግና፥ ሓደኳ ዝሓዞ ኣይነበረን።
ኵሉ ብሩርን ወርቅን ኣቕሓ ነሃስን ሓፂንን ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ይኹን፤ ናብ መዝገብ እግዚኣብሄር ድማ ይእቶ።”
ነታ ኸተማን ኣብኣ ንዝነበረ ዅሉን ብሓዊ ኣቃፀሉ። ብሩርን ወርቅን ኣቑሑ ነሃስን ሓፂንን ግና ናብ መዝገብ እግዚኣብሄር ኣእተዉ።