10 ኣብ ጊዜ ፍርያት ድማ፥ ካብቲ ፍረ ወይኒ ኽልእኹሉ፥ ሓሽከሩ ናብቶም ሓረስቶት ለኣኸ። እቶም ሓረስቶት ግና፥ ቀጥቂጦም ጥራሕ ኢዱ ሰደድዎ።
ሽዑ ሴዴቅያስ ወዲ ክንዓና ቐሪቡ ንሚክያስ ጕንዲ እዝኑ ፀፍዖ፤ “እቲ መንፈስ እግዚኣብሄር ብኣኻ ዝዛረብስ ንኣይ መኣዝ ሓዲጉኒ እዩ?” በሎ።
እግዚኣብሄር ግና ንእስራኤልን ንይሁዳን ብዅሎም ነቢያትን ብዅሎም ረኣይትን ገይሩ መስከረ “ካብ ክፉእ መንገድኹም ተመለሱ፤ ከምቲ ነቦታትኩም ዝኣዘዝክዎም፥ ብባሮተይ ነቢያት ገይረ ድማ ዝሰደድኩልኩም ኵሉ ትእዛዛተይን ሕግጋተይን ሓልዉ” ኢሉ ኣጠንቂቕዎም ነበረ።
ሽዑ ሓኖን ነቶም ንልኡኻት ዳዊት ወሲዱ ላፀዮም፤ ንኽዳውንቶም ከዓ ኽሳዕ ጥቓ ማዕጥቖኦም ቈሪፁ ሰደዶም።
ኣሳ ግና በዝ ነገር እዙይ ኰርዩ ነቲ ረኣዪ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ። በቲ ጊዜ እቱይ ካብቶም ህዝቢ ንብዙሓት ሰባት ክገፍዖም ጀመረ።
“ንሳቶም ግና እምቢተኛታት ኮይኖም ኣበዩን ካባኻ ኸድዑን፤ ንሕግኻ ድማ ንድሕሪኦም ደርበይዎ። ነቶም ናባኻ ኽምለሱ ዝመዓድዎም ነቢያትካ ቐተልዎም፤ ንኣኻውን የመና ኣቘጥዑኻ።
ግና ብዙሕ ዓመታት ተዓገስካዮም፤ ብኢድ ነቢያትካ ብመንፈስካ መስከርካሎም፤ ንሳቶም ግና ኣእዛኖም ኣይመለሱልካን። ሽዑ ናብ ኢድ ሃገራት ኣህዛብ ኣሕሊፍካ ሃብካዮም።
ንሱ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ ከም ዝተተኽለት፥ በብእዋኑ ፍረኣ ከም እትህብ፥ ቈፅላውን ከም ዘይረግፍ ኦም ይኸውን፤ ኵሉ ዝገብሮውን ይሰልጠሉ።
ኣነ ንደቅኹም ብኸንቱ ቐፃዕኽዎም፤ ንሳቶም ግና ኣይተቐፅዑን። ሰይፍኹም ከም ዝሰላልዕ ኣንበሳ ንነቢያትኩም በልዖም።
ጳስኮር ንነቢይ ኤርሚያስ ወቕዖ፤ ኣብታ ኣብ ጥቓ ቤተ መቕደስ ዝነበረት ላዕለወይቲ ደገ ብንያምውን ኣብ ጕንዲ ኣእሰሮ።
ኣነ ድማ ነፍሲ ወከፍኩም ካብቲ ኽፉእ መንገድኹም ተመለሱ፤ ግብርኹም ከዓ ኣቕንዑ፤ ክተምልኽዎም ኢልኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይትከተሉ፤ ሽዑ ኣብታ ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ዝሃብክዋ ሃገር ክትነብሩ ኢኹም ኢለ ኣንጊሀ ተሲአ፥ ንኣገልገልተይ ነቢያት ለኣኽኩልኩም፤ ደጋጊመውን ለኣኽኩልኩም፤ ንስኻትኩም ግና ኣእዛንኩም ፅን ኣየበልኩምን፤ ነኣይውን ኣይሰማዕኹምንን።
ብልቦም ከዓ፥ በብጊዜኡ ዝናም ፅድያን ቀውዕን ንዝህበና፥ ምዱባት ሰሙናት ቀውዒውን ዝሰርዐልና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ንፍርሓዮ ኣይበሉን።
“ኢየሩሳሌም፥ ኢየሩሳሌም፥ ንነቢያት እትቐትሊ፥ ናባኺ ንዝተልኣኹውን ብእምኒ እትቕጥቅጢ፥ ከምቲ ደርሆ ንጨቓውታ፥ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም፥ ክንደይሻዕኸ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደለኹ! ንስኻትኩም ግና ኣበኹም።
ከምኡውን ካልእ ሓሽከሩ ለኣኸ፤ ንእኡውን ወቒዖም፥ ኣዋሪዶም ጥራሕ ኢዱ ሰደድዎ።
ኢየሱስ፥ ነቶም ህዝቢ እዝ ምስላ እዙይ ክነግሮም ጀመረ፦ “ሓደ ሰብኣይ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸለ፤ ንሓረስቶት ብብላዕ ሂቡ፥ ናብ ካልእ ዓዲ ኸደ፤ ንነዊሕ ጊዜውን ፀንሐ።
ኣነ እየ ዝሓረኹኹም እምበር፥ ንስኻትኩም ኣይሓረኹምንን፤ ኬድኩም ፍረ ምእንቲ ኽትፈርዩ፥ ፍረኹምውን ምእንቲ ነባሪ ክኸውን ሾምኩኹም፤ ስለዙይውን፥ እቲ ዅሉ ንኣብ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ኽህበኩም እዩ።
ስለዙይ ንእግዚኣብሄር ፍረ ምእንቲ ኽነፍሪ፥ ንስኻትኩምውን ኣሕዋተይ ንኻልእ፥ ነቲ ኻብ ሞት ዝተስአ ክርስቶስ ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ብናይ ክርስቶስ ስጋ፥ ካብ ሕጊ ሓራ ወፂእኹም ኢኹም።