1 ሓደ መዓልቲ ኢየሱስ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ንህዝቢ ኽምህርን፥ ወንጌል ክሰብኽን እንተሎ፥ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን፥ ምስ ዓበይቲ ህዝቢ ኾይኖም ናብኡ መፂኦም፥
በታ ሰዓት እቲኣ ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ “ሰራቒ ኸም እትሕዙዶ ብኣስይፍትን ብኣብትርትን ክትሕዙኒ መፂእኹም? ዕለት ዕለት ኣብ ቤተ መቅደስ ተቐሚጠ እምህር ነይረ፤ ግና ሽዑ ኣይሓዝኩምንን።
“በየናይ ስልጣን ኢኻ፥ እዙይ እትገብር ዘለኻ? እዝ ስልጣን እዙይከ መን ሃበካ? እስኪ ንገረና?” ኢሎም ጠየቕዎ።
ድሕሪዙይ ኢየሱስ፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር እናሰበኸን እናብሰረን፥ በብኸተማታትን በብዓድታትን ይዘዋወር ነበረ። እቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱውን ምስኡ ነበሩ።
ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ኣነ ንዓለም ብገሃድ እየ ዝተዛረብኩ፤ ኵልሻዕውን ኣብቲ ኣይሁድ ዝእከቡሉ፥ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድን ቤተ መቕደስን፥ እምህር ነበርኩ፤ ብሕቡእ ዝተዛረብክዎ ሓደኳ የብለይን።
ጴጥሮስን ዮሃንስን ነቶም ህዝቢ ኽነግርዎም እንተለዉ፥ ካህናትን ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ሰዱቃውያንን ናብኣቶም መፁ።
በዙይ ከዓ ንህዝብን ንሽማግለታትን ንመምህራን ሕግን ኣለዓዓሉ፤ ንሳቶም ድማ መፂኦም ሓዝዎ፤ ናብ መጋባእያውን ኣቕረብዎ።