8 ኣብቲ ኸባቢ እቱይ፥ ብለይቲ መጓሰኦም ክሕልዉ፥ ኣብ ወፍሪ ዝሓደሩ ጓሶት ነበሩ።
ኣነ ህያው እየ፥ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ኣባጊዐይ ተዘሪፈን፥ ኣባጊዐይ ከዓ ንዅሎም ኣራዊት በረኻ መብልዕ ኮይነን፥ እቶም ጓሶት ኣይነበሩን። ጓሶተይ ድልየት ኣባጊዐይ ኣይገበሩን፤ እቶም ጓሶት ንርእሶም ጓሰዩ እምበር፥ ነባጊዐይስ ኣይጓሰይወንን እዮም እሞ፥
በዅሪ ወዳ ድማ ወለደት፤ በጭርቕትውን ጠቕለለቶ፤ ኣብቲ መሕደሪ ኣጋይሽ፥ ሰፈር ስለ ዘይነበሮም ድማ፥ ኣብ መብልዒ ኸፍቲ ኣደቀሰቶ።
እንሆ ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ጥቓኦም ቆመ፤ ክብሪ እግዚኣብሄርውን ኣብ ዙርያኦም ኣብርሀ፤ የመና ድማ ፈርሑ።