41 እቶም ወለዱ ንበዓል ፋሲካ ዓመት ዓመት፥ ናብ ኢየሩሳሌም ይኸዱ ነበሩ።
ክትበልዕዎ እንተለኹም ከዓ ሕቘኹም ተዓጢቕኩም፥ ኣሳእንኩም ኣብ ኣእጋርኩም ኣእቲኹም፥ ኣብትርትኹም ኣብ ኣእዳውኩም ሒዝኩም ቀልጢፍኩም ብልዕዎ። እዙይ ንእግዚኣብሄር በዓል ፋሲካ እዩ።
ነዛ መዓልቲ እዚኣ ዘክርዋ፤ ንኣይ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣብዕልዋ፤ ሕጊ ዘለኣለም ጌርኩምውን ንውሉድ ወለዶ ኣብዕልዋ።
“ኵሉ ተባዕታይኩም ድማ ኣብ ቅድመይ፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሻዕ ይረአ።
ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒ ኸዓ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ፥ ክመሲ እንተሎ፥ ፋሲካይ ፋሲካ እግዚኣብሄር እዩ።
ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ ፋሲካ እግዚኣብሄር እዩ።
ኢየሱስ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ምስ ኮኖ፥ ከምቲ ልማዳቶም በዓል ከኽብሩ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ደየቡ።
ፋሲካ ኣይሁድ ድማ ቐሪቡ ነበረ፤ ብዙሓት ሰባት ከዓ፥ ቅድሚ በዓል ፋሲካ ርእሶም ከንፅሁ፥ ከካብ ዓዱ ናብ ኢየሩሳሌም ደየቡ።
ኢየሱስ ቅድሚ በዓል ፋሲካ፥ ካብዝ ዓለም እዙይ፥ ናብ ኣብ፥ ዝኸደላ ሰዓት ከም ዝበፅሐት ፈሊጡ፥ ነቶም ዘፍቀሮም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ናቱ፥ ክሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም።
ፋሲካ ኣይሁድ ቀሪቡ ነበረሞ፥ ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ።
በዓል ፋሲካ ኣይሁድ ድማ ቐሪቡ ነበረ።
ሽዑ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንስሙ መፀውዒ ዝሓረያ ቦታ፥ እዝ ዅሉ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ፥ ዝቃፀል መስዋእትኹምን መስዋእቲ ሕሩድኩምን ኣስራትኩምን ዝለዓል መስዋእትታት ኣእዳውኩምን፥ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝተመባፃዕኹምዎ ሕሩይ መብፅዓኹምን ናብኣ ኣምፅኡ።
ንስኻትኩምን ኣወዳትኩምን ኣጓላትኩምን ኣገልጋሊኹምን ኣገልጋሊትኩምን ኣብ ከተማታትኩም ዝነብር ሌዋዊን ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሓረያ ቦታ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኴንኩም ብልዕዎ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብተግባር ኣእዳውኩም ተሓጐሱ።
“ዝኾነ ሰብኣይ፥ ሰለስተ ሻዕ ኣብ ዓመት፥ ብበዓል ቅጫን ብበዓል ሰሙናትን ብበዓል ዳስን፥ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሓረያ ቦታ ብምኻድ ኣብ ቅድሚኡ ይረአ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርውን ጥራሕ ኢዶም ኣይረአዩ።
ሕልቃና ድማ ናይ ዓመት መስዋእቲ ሕሩድን መብፅዓኡን ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኸቕርብ ምስ ስድራ ቤቱ ናብ ሴሎ ደየበ።
ሕልቃና ኸዓ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ክሰግድን መስዋእቲ ኸቕርብን በብዓመት ካብ ከተማኡ ናብ ሴሎ ይድይብ ነበረ። ካህናት እግዚኣብሄር ክልቲኦም ደቂ ኤሊ፥ ኣፍኒንን ፊንሃስን፥ ኣብኡ ነበሩ።