21 ብሻምናይ መዓልቲ፥ ነቲ ህፃን ክገርዝዎ ወሰድዎ። ስሙውን ከምቲ ገና ኣብ ማህፀን ከይተጠንሰ እንተሎ፥ እቲ መልኣኽ ኣቐዲሙ ዝሰመዮ፥ “ኢየሱስ” ኢሎም ሰመይዎ።
ኣባኻትኩም ሸሞንተ መዓልቲ ዝገበረ ዅሉ ወዲ ተባዕታይ፥ ኣብ ቤት ዝተወልደን፥ ካብ ዘርእኻ ዘይኮነ ወዲ ጓና ብገንዘብ ዝተዓደገን፥ ንውሉድ ወለዶ ይገረዝ።
ብሻምነይቲ መዓልቲ ድማ እቲ ህፃን ስጋ ቝልፈቱ ይገረዝ።
ወዲ ኽትወልድ እያ፤ ንሱ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ከድሕኖም እዩ እሞ፥ ስሙ ኢየሱስ ክትብሎ ኢኻ።”
[በዅሪ] ወዳ ኽሳዕ እትወልድውን ኣይፈለጣን፤ ኢየሱስ ኢሉ ድማ ሰመዮ።
ኢየሱስ ከዓ “ኵሉ ፅድቂ ኽንፍፅም ይግብአና እዩ እሞ፥ ሕዝስ ሕደግ! ይኹን ደኣ” ኢሉ መለሰሉ። ድሕሪዙይ “ይኹን” በሎ።
እንሆ ኽትጠንሲ፥ ወዲውን ክትወልዲ ኢኺ፤ ስሙ ድማ ኢየሱስ ክትብልዮ ኢኺ።
ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ፥ ነቲ ህፃን ክገርዝዎ መፁ፤ ብስም ኣቦኡውን “ዘካርያስ” ኢሎም ሰመይዎ።
ንባዕሉ ኣዋሪዱ ኽሳዕ ሞት፥ ክሳዕ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ሙማትውን ተኣዘዘ።