15 እቶም መላእኽቲ፥ ካብኣቶም ናብ ሰማይ ምስ ዓረጉ ድማ፥ እቶም ጓሶት ንስንሳቶም፥ “ነዝ እግዚኣብሄር ዝገለፀልና ኽዉን ነገር ክንርኢ፥ ንዑ ናብ ቤተ ልሔም ንኺድ” ተበሃሃሉ።
እግዚኣብሄር ንኤልያስ ብንፋስ ኣውሎ ንሰማይ ከዕርጎ ምስ ደለየ፤ ሽዑ ኤልያስ ምስ ኤልሳዕ ካብ ጌልገላ ተልዓለ።
እናተዘራረቡ ክኸዱ እንተለዉ ኸዓ፥ እንሆ፥ ሰረገላታት ሓዊን ኣፍራስ ሓዊን፥ ኣብ መንጎኣቶም ኣትዮም ንኽልቲኦም ፈላለይዎም። ኤልያስ ድማ ብንፋስ ኣውሎ ናብ ሰማይ ዓረገ።
ግብሪ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ፤ ብዅሎም እቶም ዝሕጐሱላ ተደላዪት እያ።
ንሱ ኸዓ “እዛ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ከመይ ኢላ እያ ዘይትቃፀል? እስኪ ነዝ ዓብዪ ትርኢት እዙይ ቅርብ ኢለ ኽርኢ” በለ።
ንግስቲ ኣዜብ፥ ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ፥ ካብ ወሰን ምድሪ መፂኣ እያ እሞ፥ ብመዓልቲ ፍርዲ ተሲኣ፥ ነዛ ትውልዲ እዚኣ ኽትኵንና እያ፤ እምበኣር ካብ ሰሎሞን ዝዓቢ ኣብዙይ ኣሎ።
“ክብሪ ንእግዚኣብሄር፥ ኣብ ኣርያም! ሰላምውን ኣብ ምድሪ፥ ንሰብውን ፅቡቕ ፍቓድ ይኹን!” ይብሉ ነበሩ።
ቀልጢፎም ድማ ኸዱ፤ ንማርያምን ንዮሴፍን፥ ነቲ ኣብ መብልዒ ኸፍቲ ዝደቀሰ ህፃንውን ረኸብዎም።
ክባርኾም እንተሎ ኸዓ፥ ካብኣቶም ተፈለየ፤ ናብ ሰማይውን ዓረገ።
ንሱ ናብ ሰማይ ዓሪጉ፥ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ኣሎ፤ መላእኽትን ስልጣናትን ሓይላትውን ይግዝኡሉ ኣለዉ።