10 እቲ መልኣኽ ድማ “እንሆ ንዅሉ ህዝቢ ዝኸውን፥ ዓብዪ ሓጐስ ኣብስረኩም ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሑ።
ንዝባርኹኻ ኽባርኾም፥ ንዝረግሙኻ ድማ ኽረግሞም እየ፤ ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ድማ ብኣኻ ኽባረኹ እዮም።”
ኣቲ ብስራት እተብስሪ ፅዮን፥ ናብ ነዊሕ እምባ ደዪቢ፤ ኣቲ ብስራት እተብስሪ ኢየሩሳሌም፥ ድምፅኺ የመና ልዕል ኣብሊ፤ ልዕል ኣብሊ፤ ኣይትፍርሒ፤ ንኸተማታት ይሁዳ፥ “እንሆ ኣምላኽኩም ይመፅእ ኣሎ” ኢልኪ ንገሪ።
ቅድሚ ዅሉ ንፅዮን፥ ‘እኒሀዉልኪ እዚኣቶም’ ክብል እየ፤ ንኢየሩሳሌም ከዓ፥ ብስራት ዝነግር ክህብ እየ።
ንሱውን “ንነገድ ያእቆብ ንምትሳእ፥ ነቶም ዝድሕኑ እስራኤል ናባይ ንምምላስ፥ ባርያይ ምዃንካ ንኣኻ የመና ዝቐለለ እዩሞ፥ ምድሓነይ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምእንቲ ኽበፅሕ፥ ብርሃን ኣህዛብ ክገብረካ” እየ።
እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዅሎም ኣህዛብ፥ ዝተቐደሰ ቅልፅሙ ኸርኢ እዩ፤ ኵሎም ኣብ ወሰን ምድሪ ዘለዉ፥ ናይ ኣምላኽና ምድሓን ክሪኡ እዮም።
እቲ ብስራት ዘብስር፥ ሰላምውን ዝነግር፥ ሰናይ ዜና ዘብስር፥ ድሕነት ዝእውጅ፥ ንፅዮን ከዓ ኣምላኽኪ ነጊሱ እዩ ዝብል፥ ኣእጋሩ ኣብ እምባታት ክንደይ ፅቡቓት እየን!
ናይ ጐይታ እግዚኣብሄር መንፈስ፥ ኣብ ልዕለይ እዩ፤ ንድኻታት ብስራት ክሰብኽ፥ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩሞ። ንስቡራት ልቢ ኽፅግን፥ ንምሩኻት ሓርነት፥ ንእሱራት ከዓ ምፍታሕ፥ ክእውጅ ለኣኸኒ።
ንሱ ኸዓ “ኣታ የመና ዝተፈተኻ ሰብ፥ ኣይትፍራሕ፤ ሰላም ንኣኻ ይኹን፤ በርትዕ፤ ፅናዕ” በለኒ። እናተዛረበኒ እንተሎ፥ በርታዕኹ እሞ፥ “ኦ ጐይታ፥ ኣበርቲዕኻኒ ኢኻ እሞ፥ ተዛረብ” በልኩዎ።
ኣቲ ጓል ፅዮን፥ የመና ደስ ይበልኪ፤ ኣቲ ጓል ኢየሩሳሌም፥ ዕልል በሊ፤ እንሆ ንጉስኪ ፃድቕን መድሕንን እዩ፤ ትሑት እዩ፤ ኣብ ኣድጊ፥ ኣብ ገልገል ኣድጊ፥ ኣብ ፃዕቢ ተቐሚጡ ናባኺ ክመፅእ እዩ።
ኢየሱስ ግና ሽዑ “ኣይዞኹም ኣይትፍርሑ ኣነ እየ” በሎም።
ኢየሱስ ከዓ ቐሪቡ ኸምዙይ በሎም፦ “ኩሉ ስልጣን ኣብ ሰማይን ምድርን ተውሂቡኒ ኣሎ፤
እቲ መልኣኽ ድማ ነተን ኣንስቲ “ንስኻትክንስ ነቲ ዝተሰቕለ ኢየሱስ ትደልያ ኸም ዘለኽን እፈልጥ እየ እሞ ኣይትፍርሓ።
“እዋኑ በፂሑ እዩ፤ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ እያ እሞ፥ ንስሃ እተዉ! ብወንጌልውን እመኑ!” ይብል ነበረ።
ከምዙይውን በሎም፦ “ናብ ኵሉ ዓለም ኪዱ፤ ንዅሉ ፍጥረት ከዓ፥ ወንጌል ስበኹ።
እቲ መልኣኽ ድማ፦ “ዘካርያስ፥ ፀሎትካ ተሰሚዑልካ እዩሞ ኣይትፍራሕ፤ ሰበይትኻ ኤልሳቤጥ ወዲ ኽትወልደልካ እያ፤ ስሙውን ዮሃንስ ኢልካ ኽትሰምዮ ኢኻ።
እቲ መልኣኽ መሊሱ፦ “ኣነ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝቐውም ገብርኤል እየ፤ ነዙይ ክነግረካን ከብስረካን ናባኻ ተልኢኸ ኣለኹ።
እቲ መልኣኽ ከዓ “ኦ ማርያም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ ረኺብኪ ኢኺ እሞ ኣይትፍርሒ።
ሎሚ መድሕን፥ ንሱውን ክርስቶስ ጐይታ፥ ኣብ ከተማ ዳዊት ተወሊዱልኩም ኣሎ።
ብስሙ ኸዓ ንስሃን ሕድገት ሕጢኣትን፥ ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚሩ፥ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ከም ዝስበኽ ተፅሒፉ እዩ።
ድሕሪዙይ ኢየሱስ፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር እናሰበኸን እናብሰረን፥ በብኸተማታትን በብዓድታትን ይዘዋወር ነበረ። እቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱውን ምስኡ ነበሩ።
“ንሕና ኸዓ ነቲ እግዚኣብሄር ነቦታትና ኣተስፍይዎም ዝነበረ፥ ነብስረኩም ኣለና።
ከምቲ መፅሓፍ፥ “ኣእጋር እቶም ሰናይ ዜና ዘብስሩ፥ ከመይ ፅቡቓት እየን” ዝበሎ፥ እንተ ዘይተልኣኹኸ፥ ከመይ ገይሮም ክሰብኩ እዮም?
ካብ ኵሎም ቅዱሳን ንዝነኣስኩ ንኣይ፥ ነቲ ዘይምርመር ሃብቲ ክርስቶስ፥ ንኣህዛብ ክሰብኽ፥ እዝ ፀጋ እዙይ ተውሃበኒ።
እዙይ ከዓ ተመስሪትኩምን ደልዲልኩምን፥ ካብቲ ብወንጌል ዝረኸብኩምዎ ተስፋ እንተይተነቓነቕኩም፥ ኣብ እምነትኩም እንተ ፀኒዕኹም እዩ። እዙይ ከዓ፥ እቲ ንስኻትኩም ዝሰማዕኹምዎ፥ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጥረት ዝተሰብከ፥ ወንጌል እዩ፤ ኣነ ጳውሎስውን፥ ነዝ ወንጌል ኣገልጋሊ ኾንኩ።