Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ወንጌል ሉቃስ 19:5 - መፅሓፍ ቅዱስ

5 ኢየሱስ ድማ ኣብታ ቦታ ምስ በፅሐ፥ ቅንዕ ኢሉ ጠሚቱ፥ “ዘኬዎስ፥ ሎሚ ኣብ ገዛኻ ኽውዕል እየሞ፥ ቀልጢፍካ ውረድ” በሎ።

Ver Capítulo Copiar




ወንጌል ሉቃስ 19:5
17 Referencias Cruzadas  

ኣብቲ እትኸዶ መቓብር፥ ስራሕን ትልምን ፍልጠትን ጥበብን የለን እሞ፥ ነቲ እትገብሮ ዅሉ ብዘለካ ሓይሊ ፈፅሞ።


“ብኣኺ እንትሓልፍ፥ ኣብ ደምኪ ጠንቀላዕላዕ ክትብሊ እንተለኺ ኸዓ ረአኹኺ እሞ፥ ኣቲ ኣብ ደምኪ ዘለኺ ብህይወት ንበሪ በልኩኺ፤ እወ፥ ኣብ ደምኪ ዘለኺ ብህይወት ንበሪ በልኩኺ።


ወዲ ሰብ ዝመፀ፥ ንዝጠፍአ ኽደልን ከድሕንን እዩ እሞ” በሎ።


እንሆ ሓለቓ ተቐበልቲ ቐረፅ ዝኾነ፥ ዘኬዎስ ዝስሙ ሃብታም ሰብኣይ፥


በታ መንገዲ እቲኣ ይሓልፍ ስለ ዝነበረ ኸዓ፥ ክሪኦ ንቕድሚት ጐይዩ፥ ናብ ሳግላ ደየበ።


ቐልጢፉ ወረደ፤ እናተሓጐሰውን ተቐበሎ።


ናትናኤል ድማ “ኣበይ ትፈልጠኒ?” በሎ። ኢየሱስ ከዓ “ፊልጶስ እንተይፀውዐካ ኣብ ትሕቲ ኦም በለስ እንተለኻ ሪአካ” ኢሉ መለሰሉ።


ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “እቲ ዘፍቅረኒ፥ ቃለይ ክሕሉ እዩ፤ ኣቦይ ከዓ ኸፍቅሮ እዩ፤ መፂእና ድማ ኣብኡ ኽንሓድር ኢና።


ሓቢርና መሳርሕቲ ከም ምዃንና፥ ፀጋ እግዚኣብሄር ንኸንቱ ኸይትቕበሉ፥ ንልምነኩም ኣለና።


ክርስቶስ፥ ኣብ ልብኹም ብእምነት ምእንቲ ኽሓድር፥ ኣብ ፍቕሪ ሱር ክትሰዱን ክትምስረቱን፥


ኣጋይሽ ምቕባል ኣይትረስዑ፤ ገሊኣቶም እንተይፈለጡ፥ ንመላእኽቲ ኸም ኣጋይሽ ዝተቐበሉ ኣለዉሞ።


እንሆ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢለ፥ እዅሕዅሕ ኣለኹ። ሓደኳ ድምፀይ ሰሚዑ፥ ማዕፆ እንተ ኸፊቱለይ፥ ናብኡ ኽኣቱ፥ ምስኡውን ክበልዕ እየ፤ ንሱውን ምሳይ ክበልዕ እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos